ር. ሊ. ጳ.፦ ቃል ኣምላኽ ንህይወትና ብተስፋን ፍቕርን የሐድሶ
ኣባ ተወልደ መብራትህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንብት ዕለት 21 ጥሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝኽሪ "ሰንበት ቃል ኣምላኽ" ኣኽቢሮም ። ናይ ሎም ዓመት ጭርሖ ካብ ወንጌል ዮሓንስ እተወስደ ኮይኑ - "ኣብ ቃለይ ጽንዑ" (ዮሃንስ 8፡31) ዝብል ኢዩ ነይሩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ቃል ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብናን ዘለዎ ኣገዳስነት ንምግላጽ፣ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ከም መሰረታዊ ናይ ሓዋርያዊ ጕስነት ተበግሶ ገይሮም ኣቘምዋ ። እዚ ቓል እዚ ኣብ መጽሓፍ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኰነስ፣ ክሳዕ ሕጂ ህያው ዝኾነን ጸኒዑ ዝነብርን ጭቡጥ ምልክት ኢዩ ። ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን ከምኡ ውን እቲ ብዛዕባ መሰረታዊ ሕቶታት ስብከተ ወንጌል ዝግደስ ጨንፈር ዓመት ዓመት ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ማለት ከም ሊጡርጊያዊ ዓውደ ኣዋርሕ ሥርዓት ላቲን አብ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ተራ ዘመን ንዝዝከር ሰንበት ናይ ቃል አምላኽ ዝምልከት ሓደ ሊጡርጊያዊን ጉስነታውን መምርሒ ኣዳልዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ነቲ ኣብታ ሰንበት ዝንበብ ንባብ ወንጌል ብምጥቃስ፣ ኢየሱስ ነቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ መግፈፊ ዓሳታት መርበቦም ሓዲጎም ንዕኡ ኺስዕብዎ እንክጽውዖም፣ ቃል ጐይታ ከአ "ነቲ ንሰባት ናብ ኣምላኽ ዚስሕቦም ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዘርግሖ" ክብሉ ኣስተምሃሩ ። እዚ ቓል እዚ ናብ ኣምላኽ ይስሕበና ድሕሪኡ ኸኣ "ናብ ካልኦት ይልእከና" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ፣ እዚ ድማ ንልብናን ኣእምሮናን ከም ዝዓቢ ይገብሮ፣ ነቲ ብተፈጥሮና ንኻልኦት ከነካፍሎም እንደሊ ሓድሽን ባህ ዘብልን ተስፋን ፍቕርን ድማ የርእየና በሉ።
ኵሎም ልኡኻት ወንጌል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሕና እውን በቲ መዓልታዊ እንሰርሓሉ "መርበብ" ኣብ ገማግም ሕይወትና ትሑዛት ዝዀንናሉ ነቲ ጐይታ ከም ልኡኻት ወንጌል ምስኡ ኽንከይድ ንዘቕርበልና ጻውዒት ክንሰምዕ ከም ዘድልየና ኣስተንተኑ ።
"ቤተ-ክርስትያን ካብቲ ብክርስቶስ እተጸውዓትሉን ናብኡ ዝሰሓባን ብርቱዕ ሓይሊ ተበጊሳ፣ ንኽርስቶስ ክርትምስክር ናብ ዓለም ትለኣኽ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ቃል ኣምላኽ ንቀዳሞት ቅዱሳን ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብኸመይ ንልቦምን ኣእምሮኦምን ከም ዝኸፈተሎም ብምዝካር፣ ንነፍሶም ከኣ ብሰላም ኢየሱስን ብሓልዮቱን ከም ዜሐድሳ ብምሕሳብ፣ ንሕና እውን ንቃል ኣምላኽ 'ጸማማት' ካብ ምዃን እንተ ኣቋሪጽና ብተመሳሳሊ መገዲ ክንትንከፍ ከም እንኽእል ሓሳባት ኣቕረቡ።
ንዅላትና ኼጋጥመና ዚኽእል ሓደጋ እንተሎ በቲ እንሰምዖ ኩሉ ተዋሒጥና፣ ንቃል ኣምላኽ ከይሰማዕናዮ ከይተቐበልናዮ ወይ ከየስተውዓልናሉ ኺሓልፍ ምፍቃድና ምዃኑ ገለጹ ። ብዘይካዚ ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከለና "ኣብ መንጎ ኣምላኽን እቲ ኣንባቢን ዝግበር ዝርርብ ምእንቲ ኪኸውን " ኽንጽልን ቅዱስ መጽሓፍ ከነንብብን ኣሎና ። በዚ ኸምዚ እምበር እቶም ክልተ ቐንዲ ክፍልታት ክርስትያናዊ ጸሎት ብሓቂ 'ንቃል ኣምላኽ ምስማዕን ንጐይታ ምምላኽን' ምዃኑ ኣዘኻኸሩ።
"ንቓላት ኢየሱስ አብ መንፈስ ጸሎት ኮይና ነንብቦ። ሽዑ ንሕና ውን ከምቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ኽንከውን ኢና።"
ሓድሽ ህይወት ምድላይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘስተምሃርዎ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንኢየሱስ ንምስዓብ መርበቦም ብኸመይ ከም ዝደርበይዎ ብምዝካር ነቲ ናይ ቀደም ህይወቶም ሓዲጎም ኣብ እምነት እተመስረተ ትርጕም ዘለዎ ሓድሽ ህይወት ንኽረኽቡ ዝገበርዎ ውሳነን ትብዓትን ገለጹ ።
"ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ሰናይ ከም እንጸንዕ ይገብረና ከምኡ ውን ብሓቂ መን ምዃንና ብሓቂ ውሉድ አምላኽን ዝደሓኑን ዝተፈቐሩን ምዃን ድማ የረድኣና ። ቅዱስ መጽሓፍ ካብ ዝለመሰት እምነት ናጻ ዝገብረናን፣ ንክርስትያናዊ ህይወት ድማ ከም ብሓድሽ ከም እነስተማቕሮ ይገብረና። እዚ ድማ እቲ ምስ ጐይታ እንነብሮ ናይ ፍቕሪ ዛንታ ኢዩ።"
ንጐይታ ምስዓብ
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንጐይታ ብኸመይ ከም ዝሰዓብዎ እንክገልጹ፤ እቲ ንሶም ዝገበርዎ ምርጫ ንዓናውን ቃል ክርስቶስ ካብ ሕሉፍን ዘሎን ጾር ብኸመይ ሓራ ኸም ዘውጽኣናን ከምኡውን "ብሓቅን ብፍቕርን ብሱላት" ንክንከውን ሓድሽ ሕይወትን ተስፋን ብምሃብ ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ገለጹ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ንሕና እውን 'ነቲ ህያው ቃል ኣምላኽ ዝዀነ ኢየሱስ ብምስማዕ ናብ ዝውለድ ምንጪ እምነትና ብሓጐስ ክንምለስ' ጸለዩ። መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን እንዛረበሉ ቃላት ንጭነቕ እኳ እንተ ዀንና፣ ነቲ "ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝቃላሕ ቃል ህይወት" ምስማዕን ምቕባልን ከም ዘይንስሕቶ ተስፋ ይገብር ኢሎም ።
"ነቲ ዓለም ዝናፍቖን ዘይረኽቦን ማይ ህይወት ንዓለም ንምቕራብ፣ ናብቲ ምንጪ ንመለስ ማሕበረሰብን ንመራኸቢ ብዙሓንን ንቃላት ዓመጻ እኳ የስተንትን እንተ ሃለወ፣ ናብቲ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ ህዱእ ቓል ንቕረብን ንስርሓሉን ።"
ቃል ኣምላኽ ምንባብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ንህይወትና ኽንምርምርን ንቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ቦታ ኸም እንህቦምን ከነስተውዕል ሓሳብ ኣቕረቡ ። ብዅሉ እቲ እነንብቦን እነኾማስዖን ነገራት ንቅዱስ መጽሓፍ ዚኸውን ቦታ ነዳሉ ዲና ? ክብሉ ድማ ሓተቱ ። ኣብ ጥቓና "ኣብ ጁባናን ቦርሳናን ኣብ ተሌፎንና " ወንጌል ኣሎና ዶ ?
"ክርስቶስ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣኽቢሩ ዝጾረኒ ካብ ኰነ፣ ኣነ እሞ ከመይ ገይረ እየ ኣብ ቤተይ ዝሓድጎን ንቓሉ ምሳይ ዘይማልኦን?"
ንኵሉ ሰብ እንተ ወሓደ ንሓንቲ ኻብተን ኣርባዕተ ወንጌላት ከንብብ ኣተባብዖ አሎኹ፣ ከመይሲ ብዙሓት ገና ከምኡ ዘይገበሩ ክህልዉ ይከኣል ኢዩ ። ነቶም ኣብቲ ናይ ንግሆ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተሳተፉ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ምእመናን ንምትብባዕ ድማ ቅዳሕ ወንጌል ማርቆስ ንዅሎም ተዓዲሉ ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣምላኽ "ደራሲ ናይ ጽባቐ" ምዃኑ ብምጕላሕ "በቲ ቓል ኣምላኽ ናብ ህይወትና ዜምጽኦ ጽባቐ ክንማረኽ" ድማ ጸልዮም።