ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ቲሞር-ኢስት ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ጥሪ ምስ ርሰ ብሔር ቲሞር ኢስት ኾሴ ማኑኤል ራሞስ ሆርታ ኣብ ሃዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ራሞስ-ሆርታ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያው ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ርቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲድናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ልባልዊ ዘተ
ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ምስ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተኻየደ ርክብ “ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ምብራቕ ቲሞርን ዘሎ ሰናይ ዝምድና፡ ምስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዓልታዊ ኣብታ ሃገር እተቕርቦ ኣበርክቶ” ከም እተሰመፍረሉን ከምኡ እውን ናብ ዝተፈላለዩ መዳያት “ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ሃገርን ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብቲ ዞባ ዘስዕቦ ጸገማትን” ኣብ ግምት ኣብ ዘውተዉ ኣርስተ ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ናይ ሓባር ዘተ “ንሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ብምውካስ ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን ኩነታት ርእይቶ ምልውዋጥ” ክም እተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።