መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቡ ብዙሓን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰብ ሰርሖ ዕደ ጥበባዊ ኣስተውዕሎን ጥበብ ልብን - ናብ ምሉእ ሰብኣዊ ርክብ፣ ብዝብል ኣርስቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ 2024 ዓ.ም. መዓልቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቲ፥
እቲ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዕለት 12 ግንቦት ዚብዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ቅዉም ሓሳብ ምስቲ ቅዱስነቶም ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ብዛዕባ ምዕባለ ስርዓታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተወፈየ መልእኽቶም ብቐረባ ዝተኣሳሰር እዩ።
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ “ንዓለም ሓበሬታን ርክብን ብሱር በተኻዊ መንገዲ ይጸልዎ ኣሎ፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ንዝተወሰነ መሰረታት ህይወት ይጸልው ኣሎ” ክብሉ ኣብቲ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን “እዚ ለውጥታት እዚ ንኹሉ ሰብ ይጸልዎ” ምህላዎ የመላኽቱ። ስለዚ ቅዱስነቶም "ከመይ ጌርና ኢና ምሉእ ብምሉእ ሰብ ኴንና ኽንቅጽልን ነዚ ባህላዊ ለውጢ እዚ ንጽቡቕ ዕላማ ዘገልግል ክኸውን ክንመርሖን እንኽእል?" ዝብል ሕቶ የቕርቡ።
ካብ ልቢ ምጅማር
ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሕቶ’ዚ ክምልሱ እንከለዉ “ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ብእደ ጥበባዊ ሃብታም፡ ብሰብኣውነት ድኻ ንምዃን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዋን፡ ኣስተንትኖና ካብ ልቢ ሰብ ክጅምር ኣለዎ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ልቢ ከም ቦታ ናጽነትን ውሳነን ከም ዝረአ፡ "ትእምርቲ ምሉእ ውህደትን ቅንዕናን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ስምዒታትናን ድሌታትናን ሕልምታትናን ዝዋሳኣሉ ቦታ እዩ። ግን ልቢ ልዕሊ ዅሉ "ምስ ኣምላኽ እንራኸበሉ ውሽጣዊ ቦታ" ምዃኑ ይገልጹ።
“ጥበብ ልቢ እምበኣር፡ ንኹሉን ክፋላቱን፡ ውሳኔታትናን ሳዕቤናቱን፡ ክቡርነትናን ተቓላዕነትናን፡ ሕሉፍናን መጻኢናን፡ ውልቃውነትናን ኣባልነትናን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዝዓበየ ሕብረተሰብ ንምውህሃድ ዘኽእለና ጽቡቕ ባህሪ እዩ” ይብሉ።
ዕድልን ሓደጋን
ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ካብ ሰብ ሰርሖ መጋበርያታት ኮነ ካብ እደ ጥበባዊ መሳለጥያ ክድለ ከም ዘይከኣል ኣስተብሂሎም፥ ኣስዕብ ኣቢሎም ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ካብ ሰብ ሰርሖ መጋበርያታት ክትድለ ኸም ዘይከኣል የጉልሑ።
እቲ "ሰብ ዝሰርሖ ምስትውዓል" ዝብል ስያመ ነቲ "ሰብ ሰርሖ እደ ጥበባዊ መጋበርያ ምምሃር" ንዝብል ስያመ ዝውክል እኳ እንተ ኾነ፡ ነታ 'ኣእምሮ' እትብል ቃል ምጥቃም ጥራይ ግን ዜጋጊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።” ከም እደ ጥበባዊ መጋበርያ ዝገብሮ ሓብሬታ ምዕቃብ ንበይኑ እኽል ኣይኮነን፡ ዝዕቀብ ሓበሬታ ግን ትርጉም ክህልዎ ኣለዎ፡ “ወደ ሰብ ጥራይ” እዩ ነቲ ሓበሬታ ትርጉም ናይ ምሃብ ዓቕሚ ዘለዎ እንክብሉ የብርሁ።
"ብመሰረት ዝንባለ ልቢ ኵሉ እቲ ኽንበጽሖ እንኽእሎ ነገር ኣጋጣሚ ወይ ስግኣት ይኸውን" እቲ ጠንቂ ናይ ሰብ ሰርሖ እደ ጥበባዊ ኣስተውዕሎ ኣብ እተወሰነ ዓውድታት ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ። ይኹን እምበር ኣጠቓቕማ ምጡቕ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ መሳርሒታት "ምስ ካልኦትን ምስ ክውንነትን ዘሎና ርክብ ምስ ዘዛብዕ ብልሹው" ከም ዝኸውን ይገልጹ።
ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ከምዚ ዝኣመሰለ መጋበርያታት ኣብ ግጉይ ኢድ ናብ "ዜጕሂ ዅነታት" ኪመርሕ ከም ዚኽእል ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰብ ሰርሖ ምስትውዓል ክመሓደር ኣለዎ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ኵነታት “ምቁጽጻር ንባዕሉ እኹል ከምዘይኮነ” ብምእማን።
ዕቤት ደቅሰብ
ኩሉ "ኣብ ደቅሰብን ከም ደቅሰብን" ብሓባር ክዓቢ ጻውዒት ድማ ኣቕሪቦም። ኵላትና "እተሓላለኸ እተፈላለየ ዓሌታት እተፈላለየ ሃይማኖታት እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም ሕብረተሰብ" ንምዃን ብሚዛናዊ መገዲ ክንዮ ንኽንብል ብድሆ ከም ዘሎና ድማ ኣዘኻኺሮም፡ ዛዕባ ሓበሬታ ክዛረቡ እንከለዉ "ሓበሬታ ካብ ህያው ርክብ ክፍለ ኣይክእልን ኢዩ" እንክብሉ ድማ የጠንቅቑ
ርክባትን ዝምድናታትን ንኣካላት ኣብ ናይ ሓቂ ዓለም ምጥሓልን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ እንተዀነ ግን "ርህራሀ ከምኡውን ምክፋል" ዝብል ሰብኣዊ ተመክሮታት ዘጠቓልል እውን እዩ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ኣብ ዕዮኦም እተጐድኡ ወይ እተቐትሉ ብዙሓት ጋዜጠይናታትን ልኡካት ዜና ማዕከናትን ንዓለም እንታይ ከም ዝረኣዩ ኼርእይዋ ኺፍትኑ ኸለዉ ዝተቐትሉ ውይ ዝተሃሰዩ ምዃኖም ገሊጾም፥ "ምስ ስቓይ ቈልዑን ኣንስትን ሰብኡትን ብቐጥታ ብምርኻብ ጥራይ ኢና ውግእ ትርጕም ኣልቦ ምዃኑ ክንግንዘብ እንኽእል።”
ብዛዕባ ሎሚ ኮነ ብዛዕባ መጻኢ ዝለዓሉ ሕቶታት
ቅድሱነቶም ነቲ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ "ንስነ ኣሃዛዊ ሕግታት ቀለብ ክንከውን ዲና ወይስ በቲ ብዘይካኡ ብጥበብ ክንዓቢ ዘይንኽእል ናጽነት ልብና ክንምግቦ እቱ ውሳኔ ናትና እዩ” እንክብሉ ኣዘካኺሮም፡ ብሓባር ኴንና ጥራይ ኢና ብምስትውዓልን ንቑሕነትን ናይ ምርኣይ ክእለትና ኸነዕብዮ እንኽእል። ደቅሰብ ኣተሓሳስባኦም ከቶ ኸይስእኑን እቲ ቅድሚ ዅሉ ዘመናዊ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝነበረ ጥበብ ናባና ኽምለስን ተማሕጺኖም፥ ጥበብ "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ሰብኣዊ ርክብ ክሕግዝ ይገብሮ” እንክብሉ መልኽቶም ይዛዝሙ።