ፍራንቸስኮ ነቶም ግዳይ ግጭት ዝኾኑ ህዝብታት ይዝክሩ፡ ኲናት ዕብዳንን ስዕረትን እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብ ኲናት ዘሎ ህዝቢ ኣይንረስዖ። ኲናት ዕብዳን እዩ። ኲናት ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ፡ ኩሉ ግዜ ስዕረት'ዩ።"
ቢሎም ምእንቲ ሰላም ከይተሓለልና ክንጽልይ ዝዕድም ለበዋኦም ከይተሓለሉ ዳግማይ የቕርቡ።
ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ኣብ ውግእን ስደትን ንዝርከቡ
ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ማእከል ኤውሮጳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ ኩሉ ክጽሊ ሓቲቶም።
ኣብ ፍልስጤም፣ እስራኤል፣ ዩክሬንን ካልኦት ብዙሓት ኩናት ኣብ ዝካየደሎም ቦታታትን ንዝነብሩ ንጸሊ። እቶም ዝስደዱ ዘለዉ ሮሂንጋ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድማ ኣይንረስዕ።
ንድኻታትን ስደተኛታትን ተሃዋሲ ልቢ ክህሉ ይሓትቱ
ር.ሊ.ጳ. ካብ ፖላንድ ንዝመጹ መፍነሳውያን ነጋዶ ሰላምታ ኣቕሪቦም እግዚኣብሔር "ንጠለባት ድኻታትን ስደተኛታትን ግዳያት ኲናትን ተሃዋሲ ልቢ ይሃበና። ብኣማላድነት ማርያም እመ ኣምላክ - ንጎይታ ህያብ ሰላም እልምኖ፡ ብልቢ እባርኸኩም” ምስ በሉ . . . ንምስጢረ ሜሮም ዝሰናደዉ ዘለዎ መንሰያት ሃገረ ስብከት ላቲና ፍቕራዊ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ከም ማርያም ነቲ ኣብ ቤተልሔም ስጋ ዝኾነ ቃል ከስተንትኑን ክስዕብዎን፡ "ነዚ እምነት ክትምስክርዎም ኣብ መንጎ ፈተውትኹምን ብጾትኩምን መልእኽቲ ሰናይን ሰላምንም ኩኑ" ቢሎም፡ ነቶም ካብ ቋንቋ ዓረብ ተጠቀምቲ ሃገራር ንዝመጹ ምእመናን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ "ነቲ ኣምላኽ ዚደልየልና ሰላምን ሓጐስን ምእንቲ ክንረክብ ጸሎትን ንስሓን ክንዕቅብ" ጻውዒት ኣቕሪቦም ጐይታ ንዅላትኩም ይባርኸኩም ወትሩ ድማ ካብ ኵሉ እከይ ይዓቅብኩም!" ኢሎም።
ጸሎት ምእንቲ ግዳያት ጃፓን
ቅዱስነቶም ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ተጠቐምቲ ሃገራት ንዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታ ኣቕሪቦም፥ ነቶም ኣብ ጃፓን ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ግዳያትን ንዝኾኑ እጽሊ ንዝተጎድኡ ቅልጡፍ ምሕዋይ ካብ እምግዚኣብሔር እምሕጸን፡ ነቶም ብሰንኪ ግጭት ነፈርቲ ህይወቶም ዝሰኣኑን ነቶም ምክልኻል ሓደጋ ሰራሕተይናታትን እጽሊ ቢሎም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሓድሽ ዓመት ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ናብ 64 ክብ ከም ዝበለን፡ እንተኾነ ግን ኣብዚ ዞባ ካልኦት ሓያሎ ርእደ መሬት ይስማዕ ብምህላዉን እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘይተረጋገጸ ኮይኑ ከምዘሎን ኣብ ዞባ ኖቶ፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ኢሺካዋ፡ ኣብ ዕምቆት 10 ኪሎ ሜተር፡ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር 10.54 (ኣብ ኢጣልያ 2.54) 5.5 ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ከም ዘጋጠመን፡ ናይታ ብርእደ መሬት ኣዚያ ዝተጎድኣት ከተማ ሱዙ ከንቲባ ዙ ማሱሂሮ ኢዙምያ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።