ድለ

2024.01.18 ር..ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ብስነ ጥበብ ሓሴት ምሃብ፡ ቅሳነት ምዝርጋሕ! ኩላትና የድልየና እዩ 2024.01.18 ር..ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ብስነ ጥበብ ሓሴት ምሃብ፡ ቅሳነት ምዝርጋሕ! ኩላትና የድልየና እዩ  (Vatican Media)

ር..ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ብስነ ጥበብ ሓሴት ምሃብ፡ ቅሳነት ምዝርጋሕ! ኩላትና የድልየና እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ጥሪ ምስ 300 ኣባላት ማሕበር ቅርዓት ትያርትር ቨሮና ብምኽንያት ሚእቲ ዓመት ቅዋሜ እቲ ማሕበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም ተራኸቡን ቅዱሰንቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቲ ናይ ቨሮና ቅርዓት ትያትር ህያው ዝገበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን "ዝያዳ ሃብታም ወርሻ ንመጻኢ ወለዶታት ከረክቡ" ዝነበርዎ ተወፋይነት የኣስሚሮም በዚ ድማ "በሊሕ፣ መሃዛይን ጭቡጥን መልክዕ ምስጋናን ግብረ ሰናይን" የካይዱ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዝሓለፈ ክቡር ውርሻ ኣኪቡን ብህይወት ዝጸንሐን ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ሚእቲ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ስነ-ጥበባዊ ንጥፈታት ማሕበር ቅርዓት ትያትር ቨሮና ብሓቂ ሃብታም ውርሻ እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ሰናይን በሊሕ፡ መሃዝን ጭቡጥን መልክዕ፡ ምስጋናን ግብረ ሰናይን እዩ፡” ዝበሉ ቅዱሰንቶም  ኣስዒቦም ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተራኸብዎም 300 ኣባላት ቅርዓት ትያትር ቨሮና እቲ ቤት ትያትር ንጥፈታቱ ኣብ 1913 ዓ.ም. ብናይ ጁሰፐ ቨርዲ ኣይዳ እተሰምየ ውሁድ ሙዚቃዊ ቅንይት ድርሰት ብምቕራብ ዘበገሰ ምዃኑ ብምዝኽኻር፥

ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም፡ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝውዕል ዘሎ ቅርዓት ትያትር ቨሮና፡ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት ዘአንገደን፡ ኣብ ገለ እዋናት፡ ኣብቲ መበቆላዊ ስርሑ ከም መዘናግዒ ቦታ፤ ኣብ ገሊኡ ድማ ናብ ዝያዳ ትሑት ኣጠቓቕማታት ወሪዱ፡ ኣብ ገለ ህሞታት ናብ ዕደና እምኒ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ዘሕለፈ እውን እዩ!

ናይ ሓደ ዓቢይ ሕብረተሰብ ዕዮ

. . . ነቶም ንፈለማ ግዜን ደሓር እውን ዳግማይ ዝሃነጽዎን ሰራሕተኛታትን፡ ስነጥበባውያን፡ ኣዳለውቲ፡ ከምኡ'ውን ኩሎም እቶም ብድሕሪት መጋረጃ" ኮይኖም ዝዓዩን ሰባት ብምጥቃስ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ብብዙሓት ኣባላት ዝቖመ ኣካል ከም ዝብሎ፡

ሚእቲ ዓመት ስነ-ጥበብ፡ ብሓቂ፡ ብሓደ ሰብ፡ ዋላ’ውን ብውሑድ ጉጅለ ምሩጻት ሰባት ክፈርይ ኣይክእልን’ዩ: ኣበርክቶ ናይ ሓደ ዓቢ ማሕበረሰብ ዝሓትት ስለ ዝኾነ፡ ስርሑ ኪኖ ህላወ ውልቀሰባት ዝኸይድን ኣብኡ ድማ እቶም... ዝሰርሑ ንርእሶም ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ድሕሪኦ ዝመጹ እውን እዮም ዝሓንጹ።

ንኻልኦት ጽቡቕ ነገር ኣብ ምሃብ ዝስምዓካ ሓጐስ

ምስ በሉ፥ "ኣብ ስነ-ጥበብ ከም ኣብ ህይወት፡ ትሑትን ለጋስን ምዃን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ" እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፥

ስለዚ ነዚ ስራሕ እዚ ክትቅጽልዎ፣ ብፍቕሪ ክተካይድዎ፣ ክሳብ ክንድዚ ንውልቃዊ ዓወት ዘይኮነስ፣ ንኻልኦት ጽቡቕ ምግባር ንዝህበኩም ሓጎስ ክትገብርዎ እላቦ። ብስነ-ጥበብ ሓጎስ ምሃብ፡ ቅሳነት ምዝርጋሕ፡ ስኒት ምርኻብን! ኩላትና ኣዝዩ የድልየና እዩ።

እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 January 2024, 16:03