ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማንም ዘየግልል ሕድሪ ኣባ ሚላኒ ዓቅቡን ተግብሩን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ጥሪ ኣባ ሎረንዞ ሚላኒ እተወልደሉ መበል ሚእቲ ዓመት ጽምብል ኣሰናዳኢ ሽማግለ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣባ ሚላኒ ዝሃብዎ ምስክርነትን መልእኽትን “ኣብ ዘይምግዳስ ከይነብርን፣ ሓደስቲ ናይ እዋንና ድኻታት ከነለልይ” ከምኡ’ውን “ንኹሎም ዝተገለሉ” ክንበጽሕ ይዕድመና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ከተማ ፊረንዘ ኣብ 1923 ካብ ሃብታም፡ ዘይኣማኒትን መነባብሮ ማእከላይ ደርቢ ካብ ዝንኾነት ስድራቤት ዝተወልደ ኣባ ሎረንዞ ሚላኒ፡ መምህር ድኻታት ኮይኑ፡ ኣብ ሓምሳታትን ስሳታትን፡ ኣብ ዙርያ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘማእከለ መሃዛዊ ኣገባባት ነቐፌታዊ ስነ-ምምህርና ዘማዕበለ፡ . . . ኣብታ ኣብ ቶስካና ኣብ እትርከብ ገጠራዊት ቁሸት ባርብያና ዝመስረታ ቤት ትምህርቲ ነዚ ዓይነት ትምህርቲ ዘበገሰ ምምህር ድኻታት ከም ዝነበረን ብደረጃ ዓለም ብዙሕ ዘይፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ታሪኽ ክፉት ትምህርቲ ማለት ናብ ዝተገለሉን ኣብ ወሰናስን ሕብረተሰብ ንዝርከቡ ትምህርቲ ኣብ ምብጻሕ መዳይ ግን ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ኣዩ ዝበሉ ር.ሊጳ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምስክርነትን መልእኽትን ኣባ ሚላኒ ህያው ንምግባርን ንኹሉ "ብፍላይ ብመንእሰያት ወለዶታት" ንኽፍለጥን ንገበሮ ተወፋይነት ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣባ ሚላኒ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝገበሮ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ
ቅዱሰንቶም ቀጺሎም ኣብ ህይወት ኣባ ሚላኒ፡ ካቶሊክ እምነት ምቕባሉን ማዕርገ ክህነት ዝተቐበለን፡ ካብ ንድኻታት ትምህርቲ ብምቕራብ ኣቢሉ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝገበሮ ጽኑዕ ውግእ ይዝክሩ። ኣባ ሚላኒ ካህን ንምዃን ዝገበሮ ምስ ምልዋጡ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብምዝካር፡ እዚ እውን ኣባ ሚላኒ ዘሕለፎ ሰብኣውን መንፈሳውን ተመክሮ እንታይ ይመስል ዝሕብር ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ተመክሮ እዚ ኸኣ "ኣማኒ ንቤተ-ክርስትያን ዘፍቅር ካህን ኣብ ድኻታት እሙን ኣገልጋሊ ወንጌል ብምዃን ይነብሮ . . . ብርግጽ “ኣባ ሎረንዞ ነቲ ወንጌላዊ ብጽእናታት ድኽነትን ትሕትናን ምሉእ ብምሉእ ይነብሮ ከም ዝነበረን፣ በርጌሳዊ ሓለፋታቱ፣ ሃብቱ፣ ጣዕሙ፣ ልሂቃዊ ባህሉ ገዲፉ ኣብ መንጎ ድኻታት ድኻ ኰነ።” ኣብ ባርብያና “እዚ ዕግበት ምስ ህዝቡን ተማሃሮኡን እውን ኣስተማቒርዎ. . . ልዕሊ ዅሉ ግና ንዅላትና ዘጠቓልል ውሉድነት ደቂ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ።”
ምስክር ማሕበራውን ቁጠባውን ለውጢ ኢጣልያ
ኣባ ሚላኒ ኣብታ ሽዑ ኣብ ገጠራት ኢጣሊያ ምስ ምትእትታው ኢንዱስትራዊ ምዕባለ ዝካየድ ዝነበረ ማሕበራውን ቁጠባውን ለውጢ “ምስክርን ተርጓምን ናይቲ ምዕባለ” ምንባሩ ኣመልኪቶም . . . ኣባ ሚላኒ “ብዝበርሀ ኣእምሮኡን ክፉት ልቡን” “ኣብቲ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ከይተረፈ ዝነበረ ኣድልዎ ዘስተውዓለን
ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ናይ መንግስቲ ኣብያተ - ትምህርቲ "ማሕበራዊ ዕቤት ዝርከበሉ ቦታ ዘይኰነስ ናይ ምሩጻት ቦታ ኢዩ ዝነበረ፡ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ንድኻታት ካብ ወንጌል ገባሮታትን ሰራሕተይናታትን ከኣ ካብ እምነትን ቤተ - ክርስትያንን ስለ ዝረሓቐ ኣስፍሆተ ወንጌል ውጽኢታዊ ከም ዘይነበረ ኣስተውዓለ . . . እዚ ኸኣ ምሉእ ህይወቱ ኣብቲ ኣብ ባርናበይ ኣብ ዚርከብ ቤት ትምህርቱ ንድኻታት ንኺወፍዮ ደረኾ።”
"እቲ ናይ ቤት ትምህርቱ ቀጥዒ ድማ ፍልጠት ነገልግሎት ጥራይ ዘይኰነስ ንወንጌልን ፍልጠት ንኹሉ ዝብል መርገጺ ዝገበረ እዩ!
"ብዛዕባኻ እግደሰ"
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ናይ ኣባ ሚላኒ ጭርሖ 'እሓልየልኩም' ዝብል ሓፈሻዊ መግለጺ ዘይኮነ ዝነበሮ 'ብዛዕባኻ እግደስ” ዝብል "ንንእሽቶ ማሕበረሰቡ ንጹርን ልባዊ ፍቕርን መግለጺ ኢዩ ዝነበረ፡
"እዚ መልእኽቲ ኣባ ሚላኒ ኣብ ዘይምግዳስ ንኸይነብር ንኽውንነት ንኽንትርጕም ነቶም ሓደስቲ ድኻታትን ነቲ ሓድሽ ድኽነትን ንኸነለልይ ናብ ኵሎም እቶም እተገለሉ ንኽንቀርብን ኣብ ልብና ንኸነሕድሮምን ይዕድመና። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብዚ እጃሙ ኼበርክት ኣለዎ " ብምባል ቅዱስነቶም ብትርት የተሓሳስቡ።
ኣብ ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይነብር፥ ሓላይ ካህን
ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ኢየሱስ ህይወቱ ገይሩ ንዓኡ ኣብ ምምሳል ዝተግህ ዝነበረ “ዘይልሙስን ንዓይን ይጥዓመኒ ዘይብል ካህን” እንብሉ ዝገለጽዎ ንጐይታን ቤተ ክርስቲያኑን እሙን “ነቲ ኣነባብራኡን ሓሳቡን ከም በዳሂ ውርሻ ገዲፉልና እዩ፥ ምስክርነቱ በዳሂ ውርሻ እዩ” ቢሎም፥ ንእግዚኣብሔር ስለ ምስርነትን ከምኡ እውን ናይ ሚእቲ ዓመት ጽምብል ውልደት ነፍሰ ሄር ኣባ ሚላኒ፥ ኣሰናዳኢ ሽማግለ “ኣባ ሚላኒ ንኽፍለጥን ንኽሰማዕን” ስለ ዝፍጽሞ ኣገልግሎትን ከም ዘመግስኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡ ኣባ ሚላኒ ኣብ ፊረንዘ ዕለት 26 ሰነ 1967 ዓ.ም. ከም ዝዓረፉ የዘኻኽር።