ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካቶሊካውያን መራኸብቲ ወንጌል ብልቢ ከመሓላልፉ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ጥሪ ኣብ ፈረንሳ ንቤተ ክርስቲያን ዘገልግሉ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣባላት ኣብ ሮማ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝቐጸለ ዝተወሃበ መንፈሳዊ ህንጸት ኣብ ዝተዛዘሙሉ ዕለት ኣብ ሃገረ ቫቲክብ ብሓጎስ ተቐቢሎም፥
ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ስነ መራኸቡ ብዙሓን
ኣብ ቤተ ክርስቲያን መናብርተ ጥበብ ስነ መራኸቢ (UCE) ብቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ፈረንሳ (CEF) ንሃገረ ስብከታት፡ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ወይ ካቶሊካዊ ውድባትን ማሕበራትን ዝሰርሑ ካቶሊካውያን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናታትን በብእዋኑ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ስርሖም ዝያዳ ውጽኢታዊ ክኸውን ብዝውድብዎ መደብ ሕንጸት መሰረት፥ ብፍላይ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ብዝበለጸ ንምስንዳው ዝሕግዙ ክኾኑ ኣብ ሮማ ዘዳለዎ ፍሉይ መደብ ህንጸት ንዝሳተፉ ዘለዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ጥሪ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥
እቶም ተሳተፍቲ ኣብዚ ኣብ ሮማ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን እውን ምስ ሓያሎ ወከልቲ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ኩርያ ሮማናን ከም እተራኸቡን ብዓብዩ ምስቶም ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ጉዳይ ዝከታተሉ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሪኖ ፊዚከላን ምስ ናይ ሲኖዶስ ጉዳያት ዝክታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ጠቅላሊ ዋና ጸሓፊ ኣናቴ ናታሊ በኩዋርት ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ልዕሊ ዓቐን ምትእስሳር ዘለዎ ዓለም ብድሆ ሰናይ መራኸቢ ብዙሓን
ር.ሊ.ጳ. . . . “ኣብዛ ኣዝዩ ልዕሊ ዓቐን ዝተኣሳሰረን ደብዳብ ሓበሬታታት ዝወርዶ ዘሎ ዓለም” ተልእኾ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠይናታትን ወሳኒ ኣገዳስነቱ ኣጉሊሖም፣ ከምኡ’ውን ካብ ስርሖም ንገለ መዓልታት ዕረፍቲ ወሲዶም “ንሓድሕዶም ተመኩሮታቶም ክካፈሉን፣ ክጽልዩን ክሰምዑን”፣ ንኸስተንትኑን ዝሕግዞም መደብ ሕንጸት ከመይ ጌርና ነቲ ሎሚ ንናይ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን ዘጋጥሞ ዘሎ ሓድሽ ዝተሓላለኸ ብድሆታት ብዝበለጸ ክንፈትሖ ከም ዘሎና ዝሕብር መገዲ ዘርህው እዩ . . . ።
“እዘን ህሞታት እዚኣተን ሱር ናይቲ እንረዳድኦ፡ ነቲ ክንምስክረሉ ዝተጸዋዕና ሓቂ፡ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝጥርንፈና ሕብረት ዳግማይ ንምርካብ የገልግላ . . . መጋበርያ መራኸቢ ብዙሓን ውልቃዊ መላታትናን ንግዳዊ ኣብ ዝብል ጌጋ ከይንወድቕ ይሕግዙና፤ ኣብ ብሕትውናና፡ ኣብ ፍርሕና ወይ ህርፋንና ንነብስና ከይንዓጽዋ፤ ኩሉ ነገር ኣብ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ጥራሕ ከየተኩር . . . ይሕግዘና!”
“ብድሆ ሎሚ ንመራኸቢ ብዙሓን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝተሓላለኸ ኮይኑ፡ እቲ ሓደጋ ድማ ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ምፍታሕ ዝብል፡ ብዘጨንቕ ምቁጽጻር፡ ስልጣን፡ ዓወት ዝብል፤ እቲ ጸገማት ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንዋታዊ፡ እደ ጥበባዊ፡ ውደባዊ፡ ቁጠባዊ ጌርካ ምርኣይ ዝብል እዩ።”
ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓን ደዓይት ዘይኮነስ ነቶም ካልኦት ምሕብሓብ እዩ
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ካቶሊካውያን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናታትን “ኣረኣእያን ኣመዳድባን ዓለም ብምግልባጥ” ብልቢ ክረዳድኡ ኣገዳሲ እዩ። መበል 150 ዓመት ልደታን መበል 100 ዓመት ብጽዕና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፈረንሳ ዝተዛዘመ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሊዘ ከም ኣብነት “ሱር በተኻዊ ወንጌላዊ ህይወታ” ጠቒሶም፡ እዚ ድማ ኣብዚ “ብደብዳብ ቃላት፡ ሕልሚ ሃይለ-ስልጣንን ዕብየትን ዝተበከለ ግዜና ጥዑይ ርክብ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ፡ ንካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን፥ ዝርጋሐ ሓበሬታ ደዓይት ወይ ዕዳጋ ኣይኮነን እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም ንኻልኦት ንምሕብሓብ ኣብ ዓለም ምዃንን ክርስትያናዊ ፍጻሜ ንባብ ምክፋልን እምበር ንባህሊ ምጥቃዕን ምጽላምን ኢድካ ምሃብ ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክርስትያናዊ ምስክርነት
ሰለስተ ቃላት መሰረት ገይሮም ድማ ቃለ ምዕዳኖ እንክቕጽሉ፥ እታ ቀዳመይቲ ቃል ምስክርነት እትብል እያ፡ እዚ ድማ ንካቶሊካዊ ርክብ ተኣማንነት ዝገብሮ ምዃኑ ኣብሪሆም። ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ሃገረ ስብከቶምን ሃይማኖታዊ ጉባኤታቶምን ውዳበታቶምን ዝፍጸም ኩሉ ሰናይ ነገራት ብምርኻብ ካብ ምክፋል ድሕር ከይብሉን ፈጠራውያንን ተቐበልቲ ኣጋይሽን ክኾኑን ፍቕራዊ ገጽ ቤተ ክርስቲያን ዘቕርቡ ክኾኑ ኣተባቢዖም፥
“ሕብረተሰብ ቃል ቤተ ክርስቲያን ከም ፈቃር ኣደ ኩሉ ክሰምዕ ይደልን የድልዮን”
ወንጌል ንምትሕልላፍ ትብዓት
ብድሕሪ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፈረንሳውያን ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ወንጌል ዋላ እቶም ተቐበልቲ ንቤተ ክርስቲያን ብግልጺ ተጻባእቲ እንተዘይኮኑ እውን ዘይግደሱ፣ ተጠራጠርቲ እንተመሰሉ እውን ሓጐስ ወንጌል ንምክፋል ከይፈርሑ ዓዲሞም። “ናይ ዘመንና ሰብኡትን ኣንስትን ንኣምላኽ ይጸምኡ፣ ምስኡ ርክብ ይደልዩ፣ ብኣኻትኩም’ውን ይደልይዎ እዮም።”
ናብ ርሑቕ ምጥማት
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ "ንምልእቲ ዓለም ብጽባቐኣን ምስቲ ኩሉ ሕልኽላኻታን ብምጥማት . . . ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዚገማምዓና "በቲ ኻብ ፍቕሪ ዚመጽእ ናይ ምምሃዝ ክእለት" ዘተኩር ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ "ካብቲ ብፍቕሪ ዚርኢ ልቢ ምስ እንብገስ ኵሉ ነገር ንጹር ይኸውን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብና እውን ከይተረፈ ንጹር ይኸውን" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።