2024.01.18 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ልኡኻት ዴሳዊ ውድብ ሃገረ ቨትናም ተራኺቦም 2024.01.18 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ልኡኻት ዴሳዊ ውድብ ሃገረ ቨትናም ተራኺቦም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ልኡኻት ዴሳዊ ውድብ ሃገረ ቨትናም ተራኺቦም

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፍ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ጎድኒ እቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ዕለት 18 ጥሪ ዝተኻየደ ዋዕላ ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ደሳዊ ፖለቲካዊ ውድብ ልኡካን ቬትናም ዘካየድዎ ርክብ ርእይቶ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ርክብ "እወታዊ" እንክብሉ ድሕሪ ምግላጽ ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ሚይዝያ ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ሃገረ ቨትናም ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ክበጽሑ ድላይ ከም ዘለዎም እውን ገሊጾም እዮም፡ እዚ ምብጻሕ እዚ ካቶሊክዊ ማሕበረሰብ ቨትናም ኣዚዩ ዝምነዮ እዩ። ንመላእ ዞባ እስያ እውን ሰናይ መልእኽቲ ከም ዝኸውን እኣምን” ኢሎም። እቲ ጉጅለ ደሳዊ ፖለቲካዊ ውድብ ቨትናም ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምዕባለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ባዕሎም ኣብ ጎድኒ እቲ ንመበል 200 ዓመት ንዝኽሪ ዕረፍቲ ዲያቆን ካርዲናል ኤቶረ ኮንሳልቪ ዝተዳለወ ተበግሶታት ኣማእኪሉ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፥ እቲ ርክብ ብቐዳምነት እወታዊ ምንባሩን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቨትናም ካብዚ ርክብ እዚ ተጠቃሚ ክኸውን ከምዝኽእል እምነቶም ገሊጾም፥ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ተወሳኺ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝድርኽ እንክብሉ ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ መምዘኒ ኣመላኺቶም፡ ነዚ ክሌኣዊ ርክብ ዘደልድል እዩ። ብቐዳምነት እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተገብረ ኣብ ቨትናም መንበር ዘለዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ክህሉ ዝብል ስምምዕ ነቶም ኣብ ቨትናም መንበር ዘይነበሮም ኣብ ሲንጋፑር መንበሮም ዝገበሩ ኣብ ቨትናም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ማሬክ ዛለቭስኪ ኣብ ቨትናም መንበሮም ክገብሩ ዘብቅዕ ምዃኑ ኣብሪሆም። እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ቨትናም ርእሰ ብሔር ቮ ቫን ቱኦንግ ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ስዒቡ እውን ኣብ ዝሓለፈ 31 መጋቢት ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዓስራይ ናይ ቅድስቲ መንበርን ቨትናምን ሓባራዊ ናይ ዕዮ ጉጅለ ዘካየዶ ዘተ መሰረት ብምግባር ዝተኸተመ ስምምዕ እውን ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ተስፋ ንሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቨትናም

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ወሲኾም "ኣብ ወርሒ ሚያዝያ" ብውልቆም ንቬትናም ከምዝበጽሑን፡ ድሕሪኡ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ከካይዱ እዮም - ቅድሚ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ቨትናም ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ዝምነይዎ ምብጻሕ እዩ፡ ሃረርታ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቨትናም እውን እዩ። ክኔው እዚ እውን ነቲ ዞባ ሰናይ መልኽቲ ከም ዝኸውን ድማ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ካብ ሞንጎሊያ ኣብ ምምላሶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተዛረበዎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባዕሎም ብዛዕባ ተኽእሎ ጉዕዞ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ ሃገር፡ ኣብ  ወርሒ መስከረም ኣብ ሞንጎሊያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ኣብ ምምላሶም ምስቶም ዘሰነይዎም ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣነ ናብ ቨትናም "እንተዘይከድኩ፣ ዮሓንስ መበል 24 ብርግጽ ክፍጽምዎ እዮም" ኢሎም ብዋዛ ከም ዝመለሱ ይዝከር። . . .  ወሲኾም መላእ ቬትናም “ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ዘጋጠማ ኣዝዩ ጽቡቕ ተመክሮ ዘተ እዩ። ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ክረዳድኡን ንቕድሚት ዝስጉሙሉ መንገዲ ክደልዩን ሰናይ ድሌት ነይርዎም፡ ጸገማት ነይሩ፡ ኣብ ቬትናም ግን ይንዋሕ ይሕጸር እቲ ጸገማት ክስገር ይርኢ ኣለኹ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ቨትናም "ብናጽነት ተዛሪብና" ብዛዕባ ቀጻልነት ዝምድናታት "ኣዝዩ እወንታዊ" ምዃኑ ገሊጾም ነይሮም። ኣብ መዳይ ዝምድናታት ሰናይ ፍጻሜታት ይርአ ከምዘሎን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ሓደ ጉጅለ ኣባላት ባይቶ ቬትናም ኣብ ሃገረ ቫቲክን ምብጻሕ ኣካይዱ: ምስኦም ሰናይ ዘተ ከም ዘካየዱን ሓደ ባህሊ ገዛእ ርሱ ክኸፍት እንከሎ ናይ ዘተ ተኽእሎ ይህሉ፣ ምዕጻው ወይ ምጥርጣር እንተሃልዩ ግን ዘተ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ዝኸው። ምስ ቬትናም እቲ ዝርርብ ክፉት እዩ፣ ምስቲ ሰናይን ከምኡ እውን ጉድለታትን፣ ግን ክፉትን ቀስ ብቐስ ንቕድሚት ዝኸይድን እዩ። ገለ ጸገማት ነይሮም እዮም ደሓር ግን ተፈቲሖም ከኣ" ክም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ናብ ቤተ ክርስቲያን ቬትናም ዝጸሓፍዎ ደብዳበ

ኣብ መንጎ ቬትናምን ቅድስቲ መንበርን ዝነበረ ዝምድና ኣብ 1975 ዓ.ም. ተቛሪጹ እኳ እንተነበረ ካብ 1990 ጀሚሩ ግን ዘተባብዕ ምዕባለታት ኣናርኣየ ከም ዝመጸን ኣብ 2011 ዓ.ም. ድማ በነዲክቶስ መበል 16 ነባሪ ዘይኮነ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ቨትናም ከም ዝሸሙን ይኹን እምበር ኣብ ቨትናን መንበር ዘለዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ክህሉ ዝብል ውሳኔ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝተበጽሐ ምዃኑን ብድሕሪ'ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ናብ ቤተ ክርስቲያን ብሔረ ኤስያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምእመናን ካቶሊካውያን "ሕያዎት ክርስትያንን ሕያዎት ዜጋን" ኮይኖም ክነብሩ ዓዲሞም፡ "ብዘይ ሃይማኖትን ዓሌትን ባህልን ኣፈላላይ" ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝምስክሩ። ኩሉ ግዜ ንቕድሚት ክንስጉም ኣሎና "ዘራኽበና ኣለሊና ፍልልያት ኣኽቢርና" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዝዝከር እዩ። እዚ ሓላፍነት ናይቶም ንቤተ-ክርስትያኖም ህያው ብምግባርን ወንጌል ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብምዝርጋሕን "ከም ንፉዓት ክርስትያናትን ንፉዓት ዜጋታትን መጠን ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት" ዘስተውዕሉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ቨየትናም እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ሳላ እቲ "ንሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ምጥቃም ምሹእ ኵነታት" እተራእየሉ ምዕባለ ነቶም ስዓብቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን "ምይይጥን ዘተን ንከስፍሑ ነታ ሃገር ተስፋ ንኸሕድሩን" ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ዚሕብር ምስክርነት ኣሎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

19 January 2024, 16:25