ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ገዛእ ርእስና ንብርሃን ኢየሱስ ንኽፈተሉ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እትረኽቡ ምእመናን ንብርሃን ኢየሱስ ክፉታት ክኾኑን፣ ብዝኾነ ይኹን ምኽይያት ካብ ንኽርስቶስ ምጥማት ከየግልሱን ብምዕዳም 'ንዘመነ ዓቢይ ጾም ዝኸውን ኣስተንትኖ' ኣቕረበሎም።

ኣባ ተውለደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ካልአይቲ ሰንበት ናይ ዘመነ ጾም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ብዛዕባ እቲ ማርቆስ ወንጌላዊ ዘዘንተዎ ናይ ዕለቱ ምንባብ ምርኩስ ብምግባር ብዛዕባ እቲ ኣብ ደብረ ታቦር እተገብረ ብተኣምራት ትርኢት ጐይታትና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተለወጠ ዝዛረብ ክፍሊ ወንጌል ኣስተምሃሩ ።

"ንብርሃን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክፉታት ንኹን ካብ ብርሃኑ ድማ ከቶ ኣይነግልስ!" በሉ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ክነግሮም ድሕሪ ምጽንሑ ምስኡ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሓንስን ተማሊእዎም ናብ ነዊሕ እምባ ደየበ ኣብኡ ኸኣ "ንሱ መን ምዃኑ ክገልጸሎም!" ብዘንጸባርቕ ብርሃን ተገልጸሎም፣ ብዅሉ ኽብሩ ውን ንርእሱ ብኣካላዊ መዳይ ኣርኣዮም ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተንትኖኦም "ካብዚ ብርሃን እዚ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድሕሪ ደጊም ኣዒንቶም ከግልሱ የብሎምን!" ብምባል ኣስመሩሉ፣ ብፍላይ ኣብ እዋን ፈተና ንኣብነት ናብ እዋን ሕማማት ገጾም ኣብ ዝቐረቡሉ ኣዒንቶም ካብዚ ብርሃን እዚ ከግልሳ የብለንን ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ምእመናን ውን "ንኣዒንትኹም ካብ ብርሃን ኢየሱስ ከቶ ኣይተላግሱ" ዝብል ኢዩ ዝነበረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ተግባር እዚ ምስቲ ሓረስቶት ግራውቶም ክሓርሱ ኸለዉ ዚገብርዎ ብምምስሳል ዓማዕድዮም ናብቲ ዕላማኦም ብምጥማት ትኽ ዝበለ ትልሚ ከም ዝሓርሱ፣ ምእመናን ውን ወትሩ ጠመተኦም ኣብ ክርስቶስ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣስተምሃሩ ።

"ንሕና ክርስትያን ምእመናን ኣብ ጕዕዞ ህይወት ውን ከምዚ ኽንገብር ኢና እተጸዋዕና፣ ኩሉ ግዜ የዒንትና ናብቲ ዘንጸባርቕ ገጽ ክርስቶስ ክጥምታ ኣለወን፣" በሊ ቅዱስነቶም።

ናይ ዘመነ ጾም ኣቕዋም መግለጺ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኩሎም ደቅሰባት ንብርሃን ጐይታ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎ ከም እተጸውዑ ብምዝኽኻር "ንሱ ፍቕርን መወዳእታ ዘይብሉ ህይወትን ኢዩ፣ " ድሕሪ ቢሎም፣ እዚ ድማ ኣብ ኩሉ መዳይ ህላወና ዘሰንየና ድማ ኢዩ በሉ ።

ቅዱስነትም እዚ ንኽንገብር ምእንቲ ኽሕግዘና ሥሩዕ ህይወት ጸሎት ምህላውን፣ ቃል ኣምላኽ ምስማዕን ከምኡ ውን ቅዱሳት ምስጢራት ምዝውተር ከም ዘድሊ ኣተባብዑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ንምእመማን "ደለይቲ ብርሃን" ክኾኑ ማለት "ንርሃን ኢየሱስ ብጸሎትን ኣብ ኣገልግሎት ብጾቶምን" ንምርካብ ኣተኩሮ ክገብሩ ከም ዝለዎም ኣስፊሖም ገለጹ።

ኣዒንትና ኣብ ክርስቶስ ድየን ኣተኰራ ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ኩሎም ምእመናን ምስኦም ሓቢሮም ገለ ኣገዳሲ ሕቶታት ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ ተማሕጸንዎም ። "ወትሩ ኣብ ጕዕዞይ የዒንተይ ናብቲ ምሳይ ዝጉዓዝ ዘሎ ክርስቶስ ኣቢለን ድየን ዝጥምታ? ነዚ ንምግባር ከኣ ስቕ ዝብለሉን ዝጽልየሉን ዘምልኸሉን ግዜን ቦታን አሎኒ ዶ?"

ኣብ ርእሲ እዚ ውን ክንሓቶም ዝሎና ጉዳይ ከም ዘሎም ከምዚ በሉ - "ነቲ ኣባይን ኣብ ኵሉ ሓውን ሓብትን ተንጸባሪቑ ዘሎ ጩራ ብርሃን ኢየሱስ ሃሰስ እብሎ ድየ? ስለዚ ንጐይታ ኸመስግኖ ከም ዘሎኒ ወትሩ ትዝ ይብለኒ ዶ ?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ መወዳእታ እታ "ብብርሃን ኣምላኽ ዝደመቐት" ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ኣብ ኢየሱስ ከነተኵር ከምኡውን ንሓድሕድና ብምትእምማንን ብፍቕርን ክንጠማመት" ክትሕግዘና ብምጽላይ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ ።

26 February 2024, 17:17