Displaced by violence in Haiti spend Christmas in temporary shelters Displaced by violence in Haiti spend Christmas in temporary shelters  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ቡርኪናፋሶን ሃይቲን ጸሎት ኣዕሪጎም

ኣብ መደምደምታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምእመና ምእንቲ ቡርኪኖፋሶን ሃይቲን ክጽልዩን፣ ንህዝቢ ዩክረይን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ከምኡውን ንዅሎም እቶም ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐዩ ዘለው ኸይርስዑን ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ተሳተፍቲ ብፍላይ ምእንቲ ንህዝቢ ዩክረይንን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ብዓመጻ ዝሳቐዩ ዘለዉ "ብዙሓት ካልኦት ሕዝብታትን" ብምዝካር "ነቶም ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብታት ኣይንረስዓዮም" ክብሉ ንጸሎት ዓደምዎም ።

ቅዱስነቶም ኣስዕብ ኣቢሎም ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቡርኪኖፋሶ ግዳያት መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ዝዀኑ ምእመናን ክጽልዩሎም ውን ጻውዒት ኣቕረቡሎም ። ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዓሰርተው ሓሙሽተ ምእምነና ኣብ ሥርዓተ አምልኾ ዝነብሩ ከም እተቐትሉ ዝዝከር ኮይኑ ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ መስጊድ ብዝተገብረ ኻልኣይ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ይርከቡ ኣለዉ።

ጽልኢ መፍትሒ ግጭት ኣይኰነን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቶም ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተነግሮም እተሰምዖም "ዓሚቝ ሓዘን" ገለጹ፣ ንኣባላት ማሕበረሰብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ተኸተልቲ እምነት ምስልማናን ከኣ ቅርበቶም ብምግላጽ ሓባራዊ ስቓዮም ከም እተሰምዖም ኣረጋገጸሎም ። ነቶም በቲ ዝተኻየደ ብመጥቃዕቲ እተቐትሉን ንእተጐድኡን ሰባት ዝሕግዙን ዘጸናንዑን ንዘለዉ ሰባት ሓይልን ትብዓትን ክረክቡ ድማ ኣብ ጽሎቶም ከም ዝዘከርዎም ኣፍሊጦም።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ጽልኢ መፍትሒ ግጭታት ከም ዘይኰነ ብምዝካር ንቕዱስ ቦታታት ኣኽብሮት ምሃብ" ከምኡውን "ምስ ዓመጻ ምቅላስ" ዝብል ዕላማ ዘለዎ "ናይ ሰላም ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምድንፉዕ" ክግበር ከም ዝለዎ ተማሕጺኖም ።

ኣብ ሀይቲ እተፈጸመ ገበናዊ ዓመጻ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሩ "ብዕጡቓት ሸፋቱ እተፈጸመ ገበንን ጭውያን ኣብ ዝቕጽልሉ ዘሎ እዋን" ምእንቲ ሕዝቢ ሃይቲ ጸሎት ክግበረሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኣብ ጥሪ ልዕሊ 1000 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ሃይቲ ቅትለትን ዓመጻን መጭወይትን ይፍጸም አሎ፣ እዚ ድማ ኣብዚ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ካብ ህዝቢ ካሪብያን እታ ልዕሊ ዅሉ ግዜ ደም ዝፈሰሰላ ወርሒ ጌርዋ ኣሎ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሽዱሽተ ገዳማውያንን ገዳማያትን ካብ ኣሕዋትን ኣሓትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ሓደ ካህንን ኣብታ ርእሲ ኸተማ ሃይቲ ዝዀነት ፖርት ኦ ፕራንስ ተጨውዮም ኣለዉ ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ሽዱሽተ ኣሓት ደናግል ቅድስቲ ሃና ተጨውየን ከም እተፈትሓ ውን ዝዝከር ኢዩ ።

'ይኣክል ይኣክል!'

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ሃይቲ ነቲ ዓመጽን ምፍሳስ ደምን መወዳእታ ኽግበረሉ ናብ ዝምልከቶም ሰበ - ስልጣን ጻውዒት ዓቕሪቦም ኣለው፣ "ስቓይ ህዝቢ ሃይቲ ብህጹጽ ደው ንኸብልዎ" ውን ተማሕጺኖም ኣሎዉ ።

እዞም ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ለካቲት "ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ብዝተፈጸመ ቅትለትን ጭውያን ዓመጻን ብዙሕ ደምን ንብዓትን ፈሲሱ ኢዩ" ክብሉ ነቲ ዘሎ ኩነት ይገልጹ ።

ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ ምስቲ ቀዳማይ መራሒ መንግስቲ ዝኾነ ኣርየል ሄንሪ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024 ምርጫ ንምግባር ኣቐዲሙ ስምምዕ እኳ እንተ ተገብረ፣ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ብዝገበሮ ውሳነ ምስ እተተሓሓዘ ኩነታት ኢዩ እዚ ኹሉ ዝኸውን ዘሎ ። ስለዚ እዞም ጳጳሳት አብ መልእኽቶም ንቀዳማይ ሚንስተር ሄንሪ "ንጥቕሚ እታ ሃገር" ክብል ካብ ስልጣኑ ኺወርድ ምሕጽንታኦም ውን ኣቕሪቦም ኣለዉ ።

28 February 2024, 13:51