ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ  (Vatican Media)

ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቲ ባኣኦም ዝምራሕ ትስዓቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ወርሒ ለካቲት ዓውደ ኣኼባኦም ከም ዝዛዘሙን ነቲ ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሲኖዳውነትን ስብከተ ወንጌልን ኣማእኪሉ ዝመክር ኣኼባ ናብ ወርሒ ለካቲት ከም ዘሰጋገርዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ካርዲናላት - "C9" በቲ ካብ ዕለት 5 - 7 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ፥ ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ካርዲናላት ኣሳቲፉ ብዘካየዶ ናይ ወርሒ ለካቲት ጉባኤኡ ዛዚሙ ቀጻሊ ኣኼባኡ ድማ ድሕሪ በዓል ፋሲካ ክቕጽል ከም ዝወሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዕለት 7 ጥሪ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የመላኽት።

ቤት ምኽሪ ትስኣቱ ካርዲናላት ወይ C9

ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት፡ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 7 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሃገረ ቫቲካንን ምምሕዳር ከተማ ቫቲካንን ኣቦ መንበር ካርዲናል ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ፡ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ቤሱንጉ፡ ናይ ቦምባይ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኦስዋልድ ግራስያስ፡ ናይ ቦስቶን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦምለይ፡ ናይ ባርቸሎና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኹዋን ኾሴ ኦሜላ ኦሜላ፡ ናይ ኲይበክ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ገራልድ ላክሯ፡ ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪክ፡ ናይ ባይያ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮቻ፡ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ መማክርት ትስኣቱ ካርዲናልት ናይ ክረሲማ ሊቀ ጳጳሳት ማርኮ ሜሊኖ፡ ዝሓቑፍ ቤት ምኽሪ መማክርት ተልኾእኡ ከም ዝሓደሱን እዚ ዝተሓደሰ ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ኣኼባኡ ዕለት 24 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ከም ዘካየደ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ሲኖዳውነት፡ ስብከተ ወንጌል

ዕለት 5 ለካቲት እቲ ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምዝታዩ፡ ኣብዚ ምይይጥ እዚ እውን ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ምቕባል፡ እቲ ዘተ ኣብ እዋናዊ መንገድታት ሲኖዳውነት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 5 ለካቲት ድሕሪ ቐትሪ ከም ዝመኸረን ኣብቲ ናይ ዕለት 5 ለካቲት ዋዕላ ኣባል ማሕበር ደቂ ማርያም ረዳኢተ ክርስቲያን ኣብ ጳጳሳዊ ኣውዚሊዩም ናይ ስነ ህንጸት ስነ ፍልጠት ተቕዋም መምህር ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ እናቴ ሊንዳ ፒከር ኣብ ቨሮና ኣባል ማሕበር ስርዓተ ደናግል ናይ ስነ መንፈሳዊ ሱባኤ መምህር እናቴ ጁሊቫ ዲ በራርዲኖ፡ ጳጳስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እንግልጣር ናይ ኣንግሊካዊ ሕውነት ምኽትል ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ጆ ባኢለይ ወልስ ሓሳበን ከም ዘካፈላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  ብኣንጻሩ ኣብቲ ዕለት 6 ለካቲት ዝተኻየደ ዋዕላ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳእያን ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ሳልቫቶረ ፊዚከላን ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግለን ብዘቕረብዎ ጸብጻብ ኣብ ዛዕባ ስብከተ ወንጌል ዘተ ምክያዱ የመላኽት።

ዕለት 7 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጉባኤ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ትስዓቱ ካርዲናላት ነቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዝልግስዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ግምት ብምእታው ድሕሪ ቀትሪ ጥራሕ ከም ተእኣከበን ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 5 – 6 ለካቲት ዘካየዶ ርክብ ከም ዝዳህሰሰን ዝቕጽል ዓውደ ኣኼባ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ዓ.ም. ንኽካይድ ወሲኖም ከም ዝዛዘሙ ናይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 February 2024, 16:39