2024.02.24 ongreso conferencia episcopal española: educacion 2024.02.24 ongreso conferencia episcopal española: educacion 

ር. ሊ. ጳ.፦ ትምህርቲ ዝሓሸ ሕብረተሰብ ከም ዚህልወካ ዚገብር ተስፋ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ ማድሪድ እተገብረ ብዛዕባ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ስጳኛ ትገብሮ ዘላ ቆራጽ ስጉምቲ ኣብ ኣውዲ ትምህርቲ ዝዝቲ ዋዕላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተቅዋማት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ንዅሎም ደቂ-ሰባት ዕድል ትምህርቲ ክንፈጎም ከም ዘይብሉ ብምህላጽ ኣተባብዕዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ስጳኛ ተጋቢኦም ዋዕላ ዘካየዱ መምህራን ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣተዓባብያኦም ብዘየገድስ ኵሎም ተመሃሮ ንውህበታቶም ኪገልጹሉ ዚኽእሉ ንዅሉ ዚሓቍፍ ትምህርቲ ከማዕብሉ ከም እተጸውዑ ኣዘኻኸርዎም ።

"ትምህርቲ ልዕሊ ዅሉ ነቶም ቅድሜና ዘለዉ ሰባት ለውጢ ኽገብሩን ንሕብረተሰብ ንምሕዳስ ኣበርክቶ ኽገብሩን ኣብ ዝኽእሉሉ ኣጋጣሚ ተስፋ ዘስንቕ ተግባር ኢዩ " በሉ ።

እቲ ዝነበረ መርሓ ግብር ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ዝጀመረ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ መስርሕ መዛዘሚ መደብ ኢዩ ዝነበረ፣ ኣብኡ ኸኣ ካብ ስጳኛ ዝመጹ ጳጳሳትን ሰብ-ሞያን ካቶሊካውያን መምህራን ነቲ ቤተ-ክርስትያን ስጳኛ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝገበረቶ ዕዮ ዘትዮም።

ኵሉ ሰብ ናይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ መልእኽቶም ነዚ ተበግሶ እዚ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎ ፣ ኣብያተ - ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዅሎም ደቅሰባት ትምህርቲ ኸም ዚበጽሖም ኪገብራ ኸም ዘለወን ድማ ኣጕልሑ ፣ "ኵሉ ሰብ መሰል ትምህርቲ ኣለዎ ፣ ዋላ ሓደ ኺውገድ የብሉን " ድማ በሉ።

"ነቶም ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ትምህርቲ ዘይረኽቡ ጭቈና ዝወርዶም ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ውግእን ዓመጻን ዘጋጥሞም ብዙሓት ቈልዑን መንእሰያትን ካብ ምዝካር ዓዲ ክውዕል አይክእል ኢየ።"

በዚ ኸምዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተሳተፍቲ ነቲ ብዘመናዊ ኣተሓሳስባ "ናይ ምውጋድን ምጉሓፍን ባህሊ" ብዘስዓቦ ክመጽእ ዝኽእል "ሓድሽ ኣግልሎት" ዕሽሽ ከይብልዎ ዓደምዎም ።

ወሲኾም ድማ "ኣብ መንጎ ህዝብታት ፍትሒ ምምስራት ንስኡናት ሰብኣዊ ርድኤት ናይ ምርካብ ተኽእሎን ከምኡውን ንክንክን ናይቶም ንተራ ዝኾኑ ስድራቤታት ብኣልባብን ኣእምሮን ኢድን ናይቶም ሎሚ ዚመሃሩ ዘለዉ ኸም ዚሓልፍ ፈጺምና ክርስዕ የብልና " ድማ በሉ ።

ፍሉይ መዳይ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ሓቀይና ሰብኣውነት እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ኵሉ መዳያት ዚወሃብ ፍሉይ መለለዪ ካቶሊካዊ ትምህርቲ "ካብ እምነት ዚምንጩን ባህሊ ዜፍርን ናይ ሓቂ ሰብኣውነት" ምዃኑ ብምዝካር እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ስጳኛ ኣብ መዋቕራት ትምህርቲ ዝገበረቶ ቘራጽነት ንባህላዊ መንነት እታ ሃገር ንምህናጽ ዓብዪ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረን ንዓለምለኻዊት ቤተ-ክርስትያን እውን ከም ዘበልጸገላን ገሊጾም።

ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንናይ ምትሕብባር ባህሊ መገዲ ኪኸፍት ኣለዎ

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ነቶም ተሳተፍቲ "ምስትንታንን ብሓባር ምጉዓዝን ክቕጽሉ" ብምትብባዕ መንነቶምን እምነቶምን ኣኽቢሮም ክርእይዎ ንገዛእ ርእሶም ክውፍዩ ከምኡውን "ስነጥበባውይናታት ንሰላም" ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

"ኣብ ናጽነት ከይተዓወትካን ናይ ማሕበራዊ ዕርክነትን ባህልን መገዲ ከይከፈትካ ትምህርቲ ኣይከኣልን ኢዩ" ድማ በሉ ።

"ትምህርቲ ወትሩ ምትሕብባርን ምርኻብን ዝሓትት ናይ ውህደት ዕዮ ኢዩ፣ በይንኻ ካብ ምዃኑን ብዛዕባ ርእስኻ ጥራይ ካብ ምሕሳብን ድማ ምርሓቕ የድሊ ።"

26 February 2024, 17:22