ሓድሽ ስሜት ኣብ ክርስትያናዊ ሓድነት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ኣብ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ቅድሚኡ ካብ 2011 ዓ.ም. ጀሚሮም ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ልሂቅ ህየንተ ናይ ዝነበሩ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ኣባ ፍላቪዮ ፓቸ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ እንክብሉን ኣተሓሒዞም እውን ሊቀ ጳጳሳት እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን ዕለት 4 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ስርዓተ ቅብኣተ ጵጵስና ክፍጸመሎም ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ህንጸቶምን ኣገልግሎቶምን
ኣዞም ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ፓቸ ኣብ 1977 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ 2002 ዓ.ም. ኣብቲ ሽዑ እዋን ናይ ከተማ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ካብ ዝነበሩ ኢየሱሳዊ ካህን ነፍሰ ሄር ካርዲናል ካርሎ ማርያ ማርቲኒ ኢድ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ድሕሪ ናይ ዓመታት ኣገልግሎት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንሰያትን ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ስነ ሃይማኖት መምህርን ከምኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ቤተ ጸሎት ቆሞስን ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ 2010 ዓ.ም. ካብ ጳጳሳዊ ስነ ዓረብን ስነ ምስልምናን ተቕዋም ተመሪቖም ኣብ ሰበኻ ሚላኖ ምስ ስዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝግበር ርክብን ምሕዝነትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ናይ ንእሱሳን ማሕበር ደናግል ሓልዮት እግዚኣብሔር ኣበ ነፍስ ኮይኖም እውን ከም ዘገልገሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሮማኒያን ሞልዶቫን
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 23 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኢጣሊያዊ ሊቀ ጳጳሳት ጃምፒየሮ ግሎደር ኣብ ሮማንያን ሞልዶቫን ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናንፍ ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዞም 65 ዓመት ዝዕድመኦም ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ሓምለ 1992 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎት ዝጀመሩን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሃገረ ጓተማላ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ክሳብ 2013 ዓ.ም. ናይ ጳጳሳዊ ኣቕለስያዊ ተቕዋም (ተቕዋም ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ) ኣቦ መንበር ኮይኖም ክሳብ ዝተሾሙሉ ድማ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈ ዋና ጸሓፊ ንሓያሎ ዓመታት ከም ዘገልገሉ የዘኻኽር።