ር. ሊ. ጳ. ፦ ዘመነ ዓቢይ ጾም እዋን ንስሓን ነጻነትን ኢዩ!
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብምኽንያት ዘመነ ዓቢይ ጾም ዝጸሓፍዎ መልእኽቶም ኣብ መኽፈቲ "ኣምላኽና ገዛእ ርእሱ እንክገልጽ ወትሩ እቲ እንኮ መልእኽቱ ብዛዕባ ሓርነት ኢዩ" ይብሉ።
ቅዱስነቶም ነቲ ሕዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸም ዝወጹ ዝነግረና ዛንታ ብምዝካር፣ እቲ ኣብ ምድረ በዳ እንገብሮ ጕዕዞ እዋን ጸጋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ - ዘይጭበጥ ጕዕዞ ዘይኰነስ፣ እኳ ደአ ንዓለም ከምቲ ዘላቶ ጌርና ክንርእያን ኣውያት እቶም ተጨቊኖም ዝለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምስማዕን ዘኽእለና መገዲ ምዃኑ ይገልጹ ።
ጸረ ዓውለማዊ ሸለልትነት ደው ምባል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣንጻር እዚ "ዓውለማዊ ሸለልትነት" ደው ክንብል ከም ዘሎና ብትሪ ጻውዒት የቕርቡ።
"እዚ ናይ ዓቢይ ጾም ጕዕዞና ጭቡጥ ክኸውን ዝኽእል . . . ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ፈርዖን ከም ዘለና እንተ ኣስተውዓልና ኢዩ ። እዚ ግዝኣት እዚ ዘዳኽመናን ንኹሉ ሸለል ክንብሎ ዝገብረናን ኢዩ ። ከምኡ ውን ዝኸፋፍለናን ንመጻኢና ዚሰርቀናን ሓደ ዓይነት መርኣያ ምዕብላ ውን እዩ።"
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እቲ ቀዳማይ ተበግሶ ዚወስድ ኣምላኽ ምዃኑ የዘኻኽሩና ። መብዛሕትኡ ግዜ ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ-በዳ ዝለመሱ ንሕናውን ምስቶም ዘልምሱና ጣኦታት ክንጣበቕ ዘሎና ባህጊን "ክግለጽ ዘይከኣል ሃረርታ ጊልያነትን" ኣብ ውሽጥና ከም ዘሎ ገለጹ።
ዘመነ ዓቢይ ጾም፣ ጕዕዞ ምድረበዳ ይኹን ደአ እምበር "ናጽነትና ናብ ባርነት ዳግም ንኸይንምለስ ኣብ እንገብሮ ግላዊ ውሳኔታትና ብሱላት እንኾነሉ ቦታ" ክኸውን ዝኽእል "ሓድሽ ናይ ፍትሒ መለክዒታትን ገና ኣብ ዘይተፈተነ መንገዲ ንቕድሚት ክንስጕም እንኽእለሉ ማሕበረሰብ እንረኽበሉ" ኮይኑ “እዋን ጻጋን ግዜ ንስሓን” ኢዩ ።
ንጸሎት ግዜ ምርካብን ንብጻይና ምሕጋዝን
ወሲኾም ድማ ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ ዓቢይ ጾም እንገብሮ ጕዕዞ ቃልሲ ከም ዝሓትት ገለጹ ። ቅዱስነቶም ኣብ መግለጺኦም ስጕምቲ ክንወስደሉ ዝሎና እዋን እኳ እንተ ዀነ፣ ንጸሎት ሓንሳእ ግዜ እነበጅወሉን "ኣብ ቅድሚ ዝተጐድኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን " እንርከበሉን እዋን ምዃኑ ውን ኣመልከቱ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸክሶ ኣስዕብ ኣቢሎም ከመይ "ንኣምላኽም ምፍቃርን ንብጻይና ምፍቃርን ሓንቲ ፍቕሪ እያ " ብምባል ገለጹ ።
'ጩራ ብርሃን ሓድሽ ተስፋ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ዘመነ ዓቢይ ጾም ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብናይ ተስፋ ቃላት ኢዮም ዝዛዘምዎ - "እዚ ዘመነ ዓቢይ ጾም እዚ ንስሓ እንኣትወሉ እዋን ክሳዕ ዝዀነ እቲ ተጭኒቑ ዘሎ ሰብኣውነት ጩራ ብርሃን ተስፋ ዝበርቀሉ ብልጭታ መሃዝነት ዝርእየሉን ክኸውን ኢዩ።"
ምእመናን "ስጉምቲ ንምውሳድ ስንድዋት ኪዀኑ" ብምጽዋዕ ቅዱስ ኣቦና "ንዓለምና ኸምታ ክትመውት ተጸዓር ዘላ ዘይኮነስ፣ ከም ሓንቲ ክትወልድ ሕማም ሕርሲ ሒዝዋ ዘሎ ገይሮም ንኺርእይዋ ትብዓት ኪረኽቡ" ምሕጽንታ ኣቕረበሎም። “ኣብ መወዳእታ ዘይኰና ዘሎና፣ ኣብ መጀመርታ ናይ ሓደ ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ኢና ንርከብ ዘሎና፣" ድማ ይብሉ ቅዱስነቶም።
"እምነትን ሰናይን ግብርን ንተስፋ ከም ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ብኢዱ ሒዞም የታትትይዎ። ከምይ ቢልካ ከም ዝስጐም የምህርዎ ብዝተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ተስፋ ንቅድሚት ንኽጕዓዙ ይመርሖም፣" ብምባል መልእኽቶም ዛዘሙ።