ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቫለንሲያ ኣብ ክልተ መንበሪ ኣባይቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንዝተጎድኡ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቫለንሲያ ኣብ ክልተ መንበሪ ኣባይቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንዝተጎድኡ ይጽልዩ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቫለንሲያ ኣብ ክልተ መንበሪ ኣባይቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንዝተጎድኡ ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ስፓይን ኣብ እትርከ ከተማ ቫለንሽያ ኣብ ልዕሊ ክልተ መንበሪ ሕንጻ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንዝተጎድኡ ግዳያትን ኩሎም እቶም ዝተሃስዩን ጸሎቶምን ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ኣብ ምብራቓዊ ስፓይና ኣብ እትርከብ ከተማ ቫለንሽያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ባርዕ ሓዊ ምስ ተሓበሮም፥ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ምሕረት ኣምላኽ ከምኡ እውን ንኹሎም ዝተጎድኡ መንፈሳውን ሰብኣውን ቅርበቶምን ኣብቲ ዕለት 23 ለካቲት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቫለንሲያ ሊቀ ጳጳስ ኤንሪከ ቤናቨንት ቪዳል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘረጋገጹን፥ ኣብቲ 14 ደርቢ ዘለዎ መንበሪ ህንጻ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ስዒቡ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 14 ድማ ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ክንገር እንከሎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ንመለኮታዊ ምሕረት” ኣወኪፎም “ንህዝቢ ቫለንሽያን ንዅሎም ስድራቤት እቶም ዝተጎድኡ መንፈሳዊ ቅርበቶም ከምዘረጋግጹን፣ ኣብዚ ናይ ቃንዛ ህሞት እግዚኣብሔር ሓይሊ ክህቦም” ብተወሳኺ ነቶም ኣብ ምድሓን ህይወት ዝተዋፈሩ ስራሕተይናታት መጥፋእቲ ሓውን ነቶም ደሃዮም ዘይተረኽበ ኣብ ምዳልይ ንዘለዉን ኩሎም ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፥ ኣማላድነት ሓላዊት ከተማ ቫለንሲያ ቅድስተ ማርያም ረዳኢተ ሕዙናትን ብናይ ስፐይን ሓላዊ ቅዱስ ዮሴፍ ተማሕጺኖም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ድማ ከም መብጽዓ ተስፋ ኣብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስአ ክርስቶስ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሰብ መዚ አቲ ዘጋጠመ ሓደጋን ሞትን ማህሰይትን ምኽንያት ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝወሰኑን፡ መራሔ መንግስቲ ስፐይን ፔድሮ ሳንቸዝ ናብቲ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመሉ ስፍራ ምብጻሕ ብምክያድ ነቶም ዝተጎድኡ ጭቡጥ ቅርበትን ደገፍን ከም ዝረጋገጹን ነቲ ባርዕ ሓው ንምጥፋእ ንዝተዋፈሩ ኩሎም ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ባርዕ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን ኣብተን ክልተ ህንጻታት ክንደይ ሰባት ከምዝነበሩ ብቕጽበት እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ግን ኣባይቶምን ንብረቶምን ከምዝሰኣኑን እቲ ክልተ ህንጻ 140 መንበሪ ኣባይቲ ዘጠቓልል ምንባር የመላኽት።

24 February 2024, 16:49