ር. ሊ. ጳ. ፦ ተልእኾ ወንጌል ደኺመ ከይበልካ ምውጻዕን ምኻድን ዝሓትት ኢዩ
ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል 2024 መልእኪቶ አብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ምሳልያዊ ዛንታ ናይ መርዓ ጽምብል የስተንትኑ፣ ኣብኡ ኸኣ እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ "ናብ ቀራናትት መንዲ ኪዱ ንዝረኸብኩሞ ሰብ ናብዚ መርዓ ጸውዕዎ" በሎም ክብሉ ድማ ይጠቕሱ።
'ኪድ እሞ ዓድምዎም'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብቲ እቲ ንጉሥ ንኣገልገልቱ ዝሃቦም ትእዛዝ ንሕመረት ናይ ተልእኾ ወንጌል ዚገልጻ ኽልተ ቓላት ንረክብ፣ እዘን ቃላት እዚኣተን 'ምኻድን' ከምኡውን 'ምዕዳም' ዚብላ እያተን።" ስለዚ ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነፍሲ ወከፍ እዘን ቃላት እንታይ መልእኽቲ ከም ዝለወን የስተንትኑ ።
"ተልእኾ ማለት ከይተሓለልካ ናብ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ብምኻድ፣ ናብ ኣምላኽ ክምለሱን ምስኡ ኺዘራረቡን ምዕዳም እዩ ። ... እቲ ሕያዋይ ጓሳን ናይ እግዚአብሔር ኣቦ መልእኽተኛን ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ነተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ህዝቢ እስራኤል ኪደሊ ወጸ፣ ናብተን ኣዝየን ዝረሓቃ ኣባጊዕ እውን ኪበጽሕን ካብኡ ንላዕሊ ኪኸይድን ይደሊ ነበረ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም እቲ ንጉስ "ዓድምዎም፡ ጸምዕዎም" ብምባል ዝሃቦም ትእዛዝ ኣብ ግምት ብምእታው "ኣብዚ ትእዛዝ እዚ ኻልእ ኣገዳሲ መዳይ ናይቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ተልእኾ ኽንርኢ ንኽእል" በሉ።
"ከምቲ ኽንግምቶ እንኽእል ውን እቶም ገላዉ ነቲ ዕድመ ናይቲ ንጉስ ብህጹጽን ብዓብዪ ኣኽብሮትን ብለውሃትን እውን ኣመሓላለፉ" በሉ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ምእመናን እውን ከምኡ ኽገብሩ ኸም ዘለዎም ኣመልከቱ - "እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ሓጐስን ኣኽብሮትን ለጋስነትን" ሒዞም ወንጌል ክሰብኩ ተጸዊዖም ኣለዉ ክብሉ መዓዱ።
ጽንብል ናይቲ መርዓ
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ድግስ መርዓ ዝጠቐስዎ ዛንታ ኽልተ ኻልእ መዳያት ተልእኾ ወንጌል ኸም ዜዘኻኽረና ውን ገለጹ ።
ቅዱስነቶም ብምቕጻል እቲ ንጉስ ዝገበሮ ጽምብል ናይቲ ሰማያዊ መርዓ ከም ዜመልክት "ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እቲ ናይ መወዳእታ ምድሓና ድማ እዩ" ይብሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያን ካልኣይ ምምጻእ ክርስቶስ ከም ዝቐረበ ይኣምኑ ምንባሮም ብምጥቃስ "ናይ ተልእኾ ወንጌል ቅንኣት ሓያል ስነ -ምግባራዊ መዳይ ከም ዘለዎ" ገለጹ። በዚ ኸምዚ እምበር ስብከት ወንጌል ህጹጽ ምዃኑ ተረዲእዎም ነበረ።"
"ሎሚ እውን ነዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዚ ምዕቃብ ኣገዳሲ እዩ!" ብምባል ኣጕልሑ።