ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስነ ጾታዊ ህልዩ ኣብዚ ግዜና እቲ ዝጸየቐ ሓደጋ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስነ ጾታዊ ህልዩ ኣብዚ ግዜና እቲ ዝጸየቐ ሓደጋ እዩ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስነ ጾታዊ ህልዩ ኣብዚ ግዜና እቲ ዝጸየቐ ሓደጋ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ "ሰብኣይን - ሰበይትን፡ ኣምሳል ኣምላኽ" ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያ ተቐቢሎም፥ ናይ ዘመንና መላኺ ስነ ጾታዊ ህልዮ ነቲ ባህርያዊ ጾታዊ ፍልልይ ዝሓክኽ ሓደገይናን መዳናገርን እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 መጋቢት ዳግማይ ኣንጻር ስነ ጾታዊ ህልዮ ጉዳይ ኣማእኪሎም ክዛረቡ እንከለዉ፥ ናይ ዘመንና ጽዩፍ ስነ-ሓሳብ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ባህርያዊ ፍልልያት ስለ ዝድምስስን ነዚ ፍልልይ ምብታኽ ድማ“ንሰብኣውነት ምድምሳስ እዩ” እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ኣብ ክንድኡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ፍረ ዘለዎ ‘ወጥሪ’ እዮም ዘለዉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ

ቅዱስነቶም ነዚ ዝበሉ ኣብ ቫቲካን ካብ ዕለት 1 - 2 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዓውደ መጽናዕቲ "ሰብኣይን - ሰበይትን፡ ኣምሳል ኣምላኽ፥ ናብ ስነ-ሰብእ ጸዋዕታታት" ብዝብል ኣርስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንክሎ፥ እዚ ጉባኤ ብናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ልሂቅ ህየንተ ካርዲናል ማርክ ኦሌት ምስ ማእከል ምርምርን ስነ-ሰብእ ጸዋዕታታት (CRAV) ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኮይኑ፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. “ቲዮሎጊያ ክህነት” ብዝብል ኣእርስቲ ናይ ዘካየዶ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ ዓውደ መጽናዕቲ መቐጸልታ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብቐዳምነት ስነ ሰብእ ሸነኽ ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ ዘጉልሐ ምንባሩ የመላኽት።

ሰብ ምዃን ጸዋዕታ እዩ

ብርግጽ፡ “ህይወት ወዲ ሰብ ጸዋዕታ እዩ . . . ዝምድናዊ ባህሪ ዘለዎ፡ “ኣነ ዘለኹን ዝነብርን ዘለኹ፡ ምስቲ ዝፈጠረኒ፡ ምስቲ ንዓይ ዝሰግር ክውንነት፡ ምስ ካልኦትን ምስ ኣብ ከባቢየይ ዘሎ ዓለምን፡ . . .  ኣብኡ ድማ ፍሉይን ውልቃውን ዝኾነ ተልእኾ ብሓጐስን ብሓላፍነትን ሓንጎፋይ ቢለ ክቕበል ዝተጸዋዕኩሉ እዩ።”

“ነፍሲ ወከፍና ጸዋዕታ ምዃንና ነስተውዕሎን ንገልጾን፡ ከም ሓደ ንነብሱ ኣብ ምስማዕን መልሲ ምሃብን ዝግንዘብ ሰብ፡ ንህላወናን ህያባትናን ንሓባራዊ ረብሓ ንኻልኦት ብምክፋል።”

ሓድሓደ ግዜ እዚ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓቂ እዚ ኣብቲ ደቅሰብ ስጋዊ ዀነ ቐንዲ ድሌቶም ጥራይ ከተኩሩ ብዝገብር ባህሊ ዕሽሽ ተባሂሉ ኢዩ ዝውሰድ። እንተዀነ ግን ሰብ ካብዚ ንላዕሊ ምዃኑ ክገልጹ እንከለዉ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብመልክዑ ኣምላኽ ስለ ዝፈጠሮም "ባህጊ ዘለኣለማውነትን ሓጎስን ብኑባሬ ዘለዎም ነቲ ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ ልቦም ዝተኸሎ እሞ ብፍሉይ ጽዋዕታ ኺፍጽምዎ እተጸውዑሉ እያቶም። "ኣብ ዓለም ምህላውና ናይ ኣጋጣሚ ፍረ ጥራይ ኣይኰነን የግዳስ ክፍሊ ናይ ፍቕሪ ንድፊ ኢና ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ክንክውኖን ተዓዲምና ኢና።

“ናብ ሓጐስ፡ ናብ ምልኣት ሕይወት፡ ናብቲ ኣምላኽ ዝመደበልና ዓቢ ነገር ኢና ተጸዊዕና።”

ኩላትና ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ተልእኾ ኣሎና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም “ኣስተንትኖን ጸሎትን” ካርዲናል ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ብምዝካር፡ ኩላትና ተልእኾ ተዋሂቡና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ”ነፍሲ ወከፍና ተልእኾ ኢና” ቢሎም፥ ስለዚ ነቲ ዓውደ ጉባኤን ኣብዚ ኣርእስቲ ዝካየድ መጽናዕትታትን፥ “ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ብእግዚኣብሔር ዝተዋህቦ ጽዋዕታ ንኸለልይ ንቕሓትን ምስትውዓልን ከስፍሕ ዝሕግዝ ብምዃኑ፡ እዚ እውን ኣብ ናይ ሎሚ ብድሆታት፣ ማለት ኣብቲ ብቐጻሊ ዝረአ ስነ ሰብኣዊ ቅልውላው ጠቓሚ ብምዃኑን ከምኡ’ውን ሰብኣውን ክርስትያናውን ጸዋዕታታት ንምድንፋዕ ዝህቀነ ብምዃኑ ባህ ዘብልን ዝድነቕን ዓውደ ጉባኤ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝኾነ "ዓዋዲ" ሞያታት ምድንፋዕ

ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ እተፈላለየ ዓይነት ጸዋዕታ፡ ማለት ጸዋዕታ ዓለማዊ ምእመን ናይ ሰብ ውፉይ ህይወት ጸዋዕታን፡ "ኣብታ ብሞት ተዋሒጣ ዘላ ዓለም ተስፋ ኣብ ምሕባርን ምቕራብን ኣበርክቶ ኽገብር ስለ ዝኽል፥ "ዝያዳ ውጽኢታዊ ዑደት" ምድንፋዕ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፣

"ነዚ ተስፋ እዚ ምፍጣር ግልጽን ሕውነታውን ዓለም ንምህናጽ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ምንባር ኣብዚ ግዜና ንነፍሲ ወከፍ ሰበይትን ሰብኣይን ብሕድሪ እተዋህበ ተልእኾ ኢዩ" ኢሎም።

ፍቓድ ኣምላኽ ንምድላይ ትብዓት

ቅዱስነቶም ነቶም ተጋባእያን ኣብ ዕለታዊ ዕዮታቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድላይ ካብ ዘጋጥም ስግኣትን ሓደጋን ከይፈርሑ ኣተባቢዖም፣ ህያው እምነት ኣብ ቤተ መዘክር ዝርከብ ቅርሲ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሮም: ”መንፈስ ቅዱስ ተኣማንነት ይሓተና፣ ተኣማንነት ድማ ተንቀሳቓሲ እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምርጫ ድዩ ጸዋዕታዊ ምንቅስቓስ ከስዕቦ ዝክል ሓደጋ ከፍርሓና የብሉን፥”

“ፍቓድ ኣምላኽ ንምልላይን ኣብ ዝህልው ሓደጋ ወይ ስግዓት ብትብዓት ንቕድሚት ምስጓም”

እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 March 2024, 16:52