TOPSHOT-VATICAN-RELIGION-POPE-MASS-EASTER-URBI ET ORBI TOPSHOT-VATICAN-RELIGION-POPE-MASS-EASTER-URBI ET ORBI 

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ትንሳኤን መደባት ሊጡርጊያዊ አገልግሎቶም ኣፍሊጦም

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ንናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2024 ሊጡርጊያዊ ኣገልግሎት ዝገልጽ መደባት ናይ በዓላት ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ትንሣኤን ዝሓዘ ወግዓዊ ዓውደ - ኣዋርሕ ኣውጺኡ ፣ እዚ ዓውደ - ኣዋርሕ እዚ ነቲ ኣብ ኮለስዩም ዝግበር መደብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ውን ዘጠቓልል ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መበራህቱ - ሃገር ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ሊጡርጊያዊ አገልግሎታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ ሥርዓተ ላቲን እትኽተል ቤተክርስቲያን ሊጡርጊዊ ዓውደ ኣዋርሕ ብምኽታል፣ ንዅሉ እቲ ናይ ሰሙነ ሓማማት ኣገልግሎታትን መደባት በዓለ ትንሣኤን ዜጠቓልል ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዳሴታትን ኣገልግሎታትን ወርሒ መጋቢት ኣውጺኡ ።

ከም ሊጡርጊያዊ ዓውደ ዓዋርሕ ሥርዓት ላቲን ሰንበት ዕለት 24 መጋቢት በዓለ ሆሣዕና ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ ኢዮም።

ኣስዒቦም ድማ ኣብ ሰሙነ ሓማማት ኣብ በዓለ ጸሎተ ሓሙስ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴን ቡራኬ ቅብኣ ሜሮንን ክመርሑ ኢዮም ።

ንጽብሒቱ ምሸት ዓርቢ ስቕለት ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ባዚሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ዝካየድ ሥርዓተ ጸሎትን ስግደትን ክመርሑ ኢዮም፣ ቀጺሎም ድማ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዚርከብ ምርኡይ ጥንታዊ ህንጻ ኮለስዩም ዝካየድ ናይ ፍኖተ መስቀል መደብ ጸሎት ከም ዝሳተፉ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ከምቲ ልሙድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ምሸት ቀዳም ስዑር ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓርግ ናይ በዓለ ትንሣኤ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ ኢዮም። ንጽብሒቱ ንግሆ ውን ኣብ ቅርዓት ቅድስ ጴጥሮስ ንዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ ኢዮም።

ሰንበት በዓለ ትንሳኤ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ማዕከላይ ሰገነት ብምዃን ቅዱስነቶም ነቲ ልማዳዊ “ኡርቢ ኤት ኦርቢ” (ንኸተማን ዓለምን)  እተሰምየ መልእኽትን ቡራኬን ንምእማናን ከተማ ሮሜን ንዓለምን ከመሓላልፉ ኢዮም  ክብል ዜና ቫቲካን የመላኽት ።

01 March 2024, 17:20