ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግዳያት ርእደ መሬት ታይዋን ሓገዞምን ቅርበቶምን የረጋግጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግዳያት ርእደ መሬት ታይዋን ሓገዞምን ቅርበቶምን የረጋግጹ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግዳያት ርእደ መሬት ታይዋን ሓገዞምን ቅርበቶምን የረጋግጹ

ድሕሪ’ቲ እቲ ዕለት 3 ሚያዝያ ኣብ ታይዋን ከተማ ሁዋሊን ዘጋጠመ 7.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናብ ናይ ቻይና ዞባዊ ጉባኤ ጳጳሳት ታይዋን ናይ ሓዘን መግለጽን መጸናንዕን መልኽቲ ተለግራም ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ታይዋን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዝጠፍአ ህይወትን ዕንወትን ምስ ተሓበሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ኣብ ቻይና ናይ ዞባ ታይዋን ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኣቡነ ዮሓንስ ባፕቲስት ሊ ኬህ ሚን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቅርበትን ጸሎትን መልእኽቲ ተለግራም፡ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፥ ንመላእ ሃገር እግዚኣብሔር ጽንዓት ይሃብ” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በቲ ረቡዕ ዕለት 3 ሚያዝያ ዘጋጠመ 7.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 1000 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉን። ብመሰረት ቢቢሲ ማዕከን ሓበሬታ፡ ረድኤት ዘቕርቡ ኣባላት ኣድሕን ህይወት ልዕሊ 600 ዝግመቱ በቲ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ምኽንያት ተዓጊቶም ንዝተረፉ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ከም እተዋፈሩን ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ቴለግራም ነቶም “በዚ መዓት ዝተሃስዩ” “ልባውን መንፈሳዊ ቅርበቶም” ኣረጋጊጾም "ስለቶም ዝሞቱ፡ ንዝተጎድኡን ኩሎም ተመዛበልትን ከምኡ'ውን ኣብ ጻዕርታት ሕይወት ኣድሕን ዝተዋፈሩ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት" ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፥ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ መጸናንዕን ሓይልን መለኮታዊ ቡራኬ እምሕጸን” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

05 April 2024, 17:15