ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ 7 ሃገራት ጉባኤ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ 7 ሃገራት ጉባኤ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ 7 ሃገራት ጉባኤ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብመንግስቲ ኢጣሊያ ኣብ ዝዳለው ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዝመክር ዓውደ ኣኼባ ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተወፈየ ኣብ ደቡባዊ ኢጣሊያ ዞባ ፑሊያ ብመግንስቲ ኢጣሊያ ኣብ ዝዳለው ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም መደረ ከስምዑ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ካብ ዕለት 13 – 15 ሰነ 2024 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ፑሊያ ከተማ ቦርጎ ኢግናዝያ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ኢጣሊያ መራሒት መንግስቲ ጆርጃ መሎኒ ድሕሪ ዝሃበቶ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጸን፡ "ኣብ ታሪኽ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዕዮ ብኢንዳስቲ ዝማዕበላ ጉጅለ 7 ሃገራት ክሳተፉ ንፈለማ ግዜ ከም ዝኸውን መራሔ መንግስቲ ኢጣሊያ መሎኒ ሓቢራ ዝበለን ነቲ ዜና ዘረጋገጸን ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ኢጣሊያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ጀርመንን ጃፓንን ዘሳተፈ ከም ዝኸውን የዘኻኽር።

ወሳኒ ስነ-ምግባራዊ ኣበርክቶ ኣብ መቓን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ

"ቅዱስ ኣቦና ንዕድመ ጣልያን ብምቕባሎም ካብ ልቢ አመስግኖም። ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ህላወኦም ንህዝብናን ንመላእ ጉጅለ 7 ሃገራትን ክብሪ እዩ" ዝበለት መራሒት መግንስቲ ጣሊያን፡ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ጉዳይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንዝመክር ዓውደ ኣኼባ ቅድስቲ መንበር እትህቦ ኣበርክቶ ዘበርኾን፡ ብፍላይ . . . እቲ ብጳጳሳዊ ናይ ስነ ህይወት ተቕዋም ዝድገፍ "ሮማ ጻውዒት ስነ-ምግባር ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ 2020 ዓ.ም." ዝብል ዘበገሶ፥ "ናብ ጭቡጥ ኣተገባብራ ኣምር ሒሳባዊ ኣገባባት ስነ-ምግባር ማለት ንሒሳባዊ ኣገባባት ስነ-ምግባር ንምሃብ ዝመርሕ" ከም ኣብነት ዝጥቀስ ምዃኑ እውን ከም ዝሓበረት ዜና ቫቲካን መግለጺ መንግስቲ ኢጣሊያ ጠቒሱ ክሕብር እንከሎ፡ "ህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝምልከት ክትትልም ምቁጽጻርን፡ ስነ-ምግባራውን ባህላውን ቅርጺ ንምንጻር ወሳኒ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ርግጸይና እየ፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ሕጂ ዘሎን መጻእን ናይዚ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘሎና ዓቕሚ እንደገና ክዕቀን ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከምቲ ዕለት 2 ጥቅምቲ 1979 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ "ሃገራዊ ይኹን ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ካብ ሰብ ዝመጸ ኢዩ ብሰብ ኢዩ ዝግበር ንሰብ እውን ዝጠቅም ኢዩ" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝካር፡" ፍራንቸስኮ ንመበል 57 ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም ዕለት 1 ጥሪ 2024 ዓ.ም. መልእኽቶም ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ሰላምን ብምውፋይ ወዲ ሰብ ጥበብ ልቢ ከማዕብል ተማሕጺኖም፡ እዚ ጥበብ ልቢ "ነቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎ ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ መራኸቢ ንምግባር ክሕግዘና ይኽእል” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ እውን ኣብ ዝሃብቶ መገልጺ ከም ዝዘከረት ኣፍሊጡ።

27 April 2024, 17:12