ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ መቕድም ኣብታ 'ዘተ ብመንፈስ ቅዱስ' ዘርእስታ መድሓፍ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱሰንቶም ነቲ ዝደረስዎ መቕድም ክቡራት ኣሕዋት እዛ መጽሓፍ ቅድሚ ምሕታማ ስለ ዘካፈልኩምኒ የቐንየልና። ኣብ መእተዊ ብዛዕባ ዘፍጥረት እታ መጽሓፍ ዝገለጽክምዎ ኦስካር ንብጻዩ ናይታ መጽሓፍ ሓባራዊ ደራሲ ኣብ ናይ ቫቲካን ጉዳያት ቍጠባ ዘገልገሉ ካብ ንቑጠባ ጉዳያት ዝምልከት ኣርእስታት ናብ ዝያዳ መንፈሳዊ ኣርእስታት ክስሕቦ ከም ዝኸኣለ ነንብብ፡ እታ መጻሓፍ እውን ካብዞም ክልተ ኢየሱሳውያን ካህናት ዘካየድዎ ዘተ ዝተወልደት ምዃና ባህ የብል።
ዋላ እኳ እቲ ዘተ ብቐንዱ ኣብቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ዘተ ዘተኮረ እንተኾነ፡ እዚ ድማ ኣብ መንገዲ ሲኖዶስ ዝውሰድ ኣገባብ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣገባብን ኣሰራርሓኡን ደው ዘይምባልኩም ግን ብሓቂ የድንቖ። ዕምቆት ናይዚ ሜላን ንመንፈስ ቅዱስ ምስማዕ ተመኩሮ ንምቕያር ክግበር ዘለዎ ንኹሉ ንምርዳእ እኹል ታሪኻዊ መወከሲታት ከተቕርቡ ብምኽኣልኩም ኣዝየ እየ ዝድንቕ።
እቲ ናይ ሲኖዳውነት ሜላ መንፈሳዊ ተመክሮ ምዃኑ ዝሕብሩ ቃላትን ምስማዕን ከኣ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሓቂ ቀንደይና ተዋሳኢ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ኢዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ እቲ ከም ቤተ-ክርስትያን ዝገበርናዮ ናይ ሲኖዳውነት መገዲ ብሕታውን ማሕበረሰብኣውን ዓቕለስያውን ዘደንቕ መንፈሳዊ ተመክሮን ከም ዝዀነ ንኽንግንዘብ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ኣብ ውሽጡ ክዓዪ ኣለዎ።
እቲ ኣተሓሳስባ ዘተ "ናብ ሓባራዊ መትረብ ምፍሳስ" ዝብል ተወሳኺ ምዕባለ ክግበረሉ ዝግባእ ኢዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ እዚ ሓሳብ እዚ እተፈላለየ ኣረኣእያ ንኺህልወካ የኽእለካ እዩ። ኣብ ከተማን ኣብ ናብራ ቤተ-ክርስትያንን እንገብሮ ዘተ ብዙሕ እዩ ዝጠቕመና። ኣብቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ዘተ ናብ ሕብረት ከምኡውን ናብ ሕዳሴ ተልእኾ ዘተኰረ ተሳትፎ ዝግበረሉ መገዲ ንረክብ ኢና፡ እዚ ኸኣ ንዅሎም ሰባት ተሳትፎ ንኽገብሩ ዘተባብዕ ከምኡውን ነቲ ዅላትና ዘሎና ዓቢ ፍልልይ ኣብ ሕብረትን ሓድነትን ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበል ኢዩ።
ብመንፈስ ቅዱስ ዝግበር ዘተ፡ መመያን ሲኖዳውነትን ልዕሊ ኩሉ ኣብ ምስማዕ ዝቖመ እዩ። ቤተ ክርስቲያን እትወስዶ ሲኖዶሳዊ መንገዲ ብዕምቆት ናይ ምስማዕ መንገዲ እዩ። እቲ ንስኻ እትሓስቦ ኣተሓሳስባ፡ "ክፉትን ተቓላዓይን ምስማዕ"፡ መሰረታውን ኣዝዩ ኣድላዪን እዩ፡ ብሓቂ መንፈስ ቅዱስ ከንቀሳቕሰናን ክንቅየረናን፡ ክንመርጽን ናብ ጭቡጥ ውሳነታት ክመርሓናን የኽእሎ። ኩሉ ሰብ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝወሰዶ መርገጺታት ተዓጽዩ እንተተሪፉ፡ ሓቀይና ዘተ፡ ወይ ድማ ሓቀይና ምስማዕ ንመንፈስ ቅዱስ ኣይክህሉን እዩ። ካብ ካልኦት ክመሃሮ ወይ ክወሃሃዶ ዝኽእል ነገር ስለዘይረክብ፡ ለውጢ ዘጠቓልል ዝኾነ ይኹን ውሳነ ናብ ፍርሒ ይድርኽ። ንሓድሕድና ብሓቂ ጽን ክንበሃሃልን ክንሰምዕን ከለና ኢና ሃብታም ብምዃን ንስጉምን ሕብረትናን ተልእኾናን ነዕምቖን።
ብፍላይ እታ ብዛዕባ ውሽጣዊ ባህርያት እትገልጽ ምዕራፍ ኣገዳሲት ኮይና ተራእየትኒ። ከምቲ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝበልክዎ፡ ዕላማና ባይቶ ንምጽዋዕ ወይ’ውን ናይ ርእይቶ ዳህሳስ ንምክያድ ኣይኮነን። ንመንፈስ ቅዱስ እናሰማዕና ከም ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓባር ምእንቲ ክንመላለስ እዩ። ናይ ሲኖዶስ ሓቀይናን ቀንዲ ተዋሳኢ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ ዝተወሰነ ውሽጣዊ ኣቕዋም ይሓትት። ዘተ ብመንፈስ ቅዱስ፣ መመያን ሲኖዶዳውነት ክካየድ ዝኽእል ብመንፈስ ቅዱስ ክንመልእ ንነብስና ባዶ ክንገብራ ምስ እንፍትን ጥራይ እዩ፣ ናጽነትና ነቲ ስጋውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣተሓሳስባና እንተ ፈቲሕዎ መንፈስ ቅዱስ ዝያዳ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንኽመርሓና የኽእሎ። ኣብ ውሽጥና ትሕትና ኣእንጋድን ሓንጎፋይን ዝብል ኣረኣእያ እንተ ኣማዕቢልና ይኣኽለኒ ምባልን ርእሰ-ትውካሰ ነወግድ። በዚ ኸምዚ ጥራይ ኢና ሱታፌናን ተልእኾናን ክድልድል ዝኽእል።
እቲ ናይታ መጽሓፍ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ነቲ ዘተ ብመንፈስ ዝመርሕ ጭቡጥ መገዲ ዘመላኽት እዩ። ነቲ ሜላ ብኸመይ ከም እትመርሖ ከምኡውን ፍሉይ ቈላሕታ ዘድልዮ መዳያት ተብርሁ። እዛ ምዕራፍ እዚኣ መዛዘሚ እታ መጽሓፍ ከም ዝዀነት ጌርካ ክትንበብ የብላን። ኵሉ ሜላታት መወዳእታ ዘይኰነስ ናብ ፍጻመ ዝመርሕ መጋበርያ እዩ። እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ነቲ ሜላ ምስ እተፈላለየ ዅነታት ምትዕርራይ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ እውን የመልክት፡ እዚ ሜላ እዚ ብሓቂ ሓጋዚ ኢዩ። ኣገዳስነት እተን ኣቐዲመን ዝነበራ ምዕራፋት እቲ ሜላ ብግቡእ ንኽዳሎን ኣብ ግብሪ ንኽውዕልን ምፍቃድ ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ናይ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ሰነድ ዘተ ብመንፈስ ቅዱስ ምልምማድ ከም ዘድሊ ብኣጽንዖት የመላኽት። እቲ ዘቕረብክምዎ መጽሓፍ ነዚ ዕላማ እዚ ጠቓሚ ነገራት ዝሓዘት ይመስለኒ። ስለቲ ተወፋይነትኩም ኣዚየ አመስግነኩም ኣብ ብዙሕ ዓቕለስያዊ ኣጋጣሚታት ከኣ ጽቡቕ ሓገዝ ከም ዝኸውን ርግጸይና ኢየ።
ፍራንቸስኮ
ቫቲካን ዕለትግ 21 ሓምለ 2023 ዓ.ም.