ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ሓደ ካህን ቀንዲ ግዴታኡ ፍቕሪ ህያው ምግባር እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ሓደ ካህን ቀንዲ ግዴታኡ ፍቕሪ ህያው ምግባር እዩ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ሓደ ካህን ቀንዲ ግዴታኡ ፍቕሪ ህያው ምግባር እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ጳጳሳዊ ተቛማት ላቲን ኣመሪካን ብራዚልን ሜክሲኮን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ፍቕሪ “ኣብ ሕይወት ካህናት” ማእከል ምዃኑ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱሰንቶም ዕለት 4 ሚያዝያ ነቶም ኣብተን ጳጳሳውያን ተቕዋማት ላቲን ኣመሪካ ዝርከቡ ሃነጽንት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን "እታ ቐዳመይቲ ፍቕሪ ንዅላትና ኣብዚ መገዲ እዚ ጸዊዓትና ኢያ፡ ነዛ ማእከል ጸዋዕታና ዝኾነት ፍቕሪ ድማ ህያው ምግባር ቀንዲ ግዴታና ኢዩ፡ ኵሉ ጸዋዕታ ኻብቲ ኣቐዲሙ ዘፍቀረናን ዝሓረየናን ፍቕሪ ኢዩ ዝውለድ" ብምባል ካህናት ንኣምላኽ "ናብኡ ዘቕርበና ፍሉይ ዕማም ሂቡና ኣሎ፡ እዚ ድማ ንኻልኦት ገዛእ ርእስና ምሃብ ዝብል እዩ” እንክብሉ የዘኻኽሩ።

ኣብ ኣካለ - ክርስቶስ ምውሳእ

ካህናት “ብኣካል ክርስቶስ” ዝዋስኡ፡ ክህነት “ሓቀይና ምስሊ ኢየሱስ” ምዃን ማለት እዩ፡ ብጸሎት፡ ብለጋስ መስዋእቲ ገዛእ ርእስኻን ትሕትናን ዝንበር . . . ጸሎት ማለት “ነፍሲ ወከፍ ጭቡጥ ኩነታት ናብ ህላወ እግዚኣብሔር ምቕራብ” ማለት እዩ . . . ገዛእ ርእሰ ምሃብ፡ ቅዱስ ቁርባን፡ ምቕራብ ምሉእ ህላወኻ፡ “ንሰማዕትነት ድልው ምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ፍቓዱ ክንገብርን ናትና ክንክሕድን ነዚ ዓይነት ህይወት ሱር በተኻዊ ድልውነት ምግባር ዘጠቓልል እዩ” ምስ በሉ፥ ኣብ መወዳእታ ትሕትና ማለት “ኣነ ንባዕለይ ኣብ ጉዕዞ ከም ዘለኹ ምፍላጥ፡ ጸሎት ከም ዘድልየኒ፡ ካብቶም ንኸገልግሎም ዝተጸዋኹሎም ንላዕሊ” ማለት እዩ . . . ንካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን “ናይቶም እግዚኣብሔር ኣብ መንገድኻ ዘንብሮም ሓይሊ ኣማላድነት ከየናእሱ” ዓደሞም። ብሓደ ቃል “ኣብ ጸሎት ኵሎም ምመናን ኣባላት ህዝቢ ኣምላኽ ተጸግዑ፤ ምእንቲ ጓሶትኩምን ምእንታይን ምጽላይ ኣይትረስዑ” ቢሎም ፍራንቸስኮ ንኹሎም ንበረኸት ኢየሱስን ንቑሕ ሓልዮት ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፕ ንግስቲ ኣመሪካን ተማሕጺኖም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 April 2024, 17:12