ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቨነዚያ ኣብ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ምብጻሕ ኣካይዶም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቨነዚያ ኣብ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ምብጻሕ ኣካይዶም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቨነዚያ ኣብ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ምብጻሕ ኣካይዶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቬኒስ ኣብ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ምብጻሕ ብምካያድ ኣብ ቨነዚያ ዘካየድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓውጾተ ኖልዎ ኣበጊሶም፡ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ንደቂ ኣንስትዮ እሱራት ኣብ ልቦም ፍሉይ ቦታ ከምዘለወን ኣረጋጊጾም ክረኽብወን እውን ሃረርታ ከም ዝነበሮም የካፍሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ቨነዚያ ዘካየድዎ ምብጻሕ ናይቲ ዕለት 28 ሚያዝያ ኣብ ቨነዚያ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ቀዳማይ ምዕራፍ ክኸውን እንከሎ፡ ንልዕሊ 80 እሱራት ደቂ ኣንስትዮን ንሰራሕተይናታትን ሓለዋ ንጸጥታ ከምኡውን ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዘገልግሉ ወለንተይናታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ስለቲ ዝገበርዎ ምብጻሕን ንእሱራት ስለ ዘለዎም ሓልዮት እውን ካብቶም እሱራትን ሰራሕተይናታትን ቃለ ምስጋና ከም ዝቐረበሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ልቦም ፍሉይ ቦታ ዘለዎም ክፍሊ ሕብረተሰብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እሱራት ኣብ ልቦም "ፍሉይ ቦታ" ከም ዘለዎም ገሊጾም፡ ናይቲ ኣብ ቨነዚያ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዝገበርዎ ምብጻሕ ቀዳማይ ፍጻመ ክኸውን ከም ዝደለዩ ገሊጾም እዚ ምብጻሕ እዚ "ወግዓዊ ምብጻሕ" ዘይኰነስ "ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ ንሓድሕድና ግዜ ጸሎትን ምቅርራብ ከምኡውን ሕውነታዊ ፍቕሪ ኽንለዋወጥ ከም እንኽእል ንምዝኽካርን ነዚ ንምፍጻምን እዩ” ቢሎም፥ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ኸም ዚፈልጠናን ነፍሲ ወከፍና ዘቕርቦን ዘካፍሎን ናቱ ፍሉይነት ውህበት ዘለዎምን ኢና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እግዚኣብሄር የሕብረና

“እቲ ዝመጻእናሉ መገዲ ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ "ገሊኡ ኣዝዩ ዜሳቒ ክኸውን ይኽእል፥ ብጀካዚ ብሰንኪ እቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ውሽጡ ዚስከሞን በሰላን ጌጋታት ገሊኡ ኣዝዩ ዘሳቒ እውን እዩ ይኹን እምበር ጐይታ ኸም ዜሕብረና ኣይንረስዕ” ምስ በሉ ብዝሒ ህዝቢ ሕጽረት መሳለጥያታትን ከምኡውን ነቲ ስቓይ ዘጋድዶ ዓመጽ ዝመልኦ ኣጋጣሚታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ "ከቢድ ክውንነት" ከም ዘሎን እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ቤት ማእሰርቲ ስነ-ምግባራውን ሰብኣውን ዳግመ ልደት ዚርከበሉ ግዜ ዘቕርብ ክኸውን ከም ዚኽእል ገሊጾም፣ እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ሓባራዊ ኣኽብሮትን ክእለትን ብምምሕያሽን ኢዩ ዝኽወን። እዚ ኸኣ ምናልባት በቲ ኣብ ህይወት ብዘጋጥም ብድሆታት "ዝደኸመ" ወይ "እተገለለ" እኳ እንተዀነ ግቡእ ቈላሕታን እምነት ሒዝካን ግን "ንመጋበርያ ንጥቕሚ ዅሉ ሰብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ . . . ዋላ ሓደ ሰብ ሰብኣዊ ክብረቱ ኼጥፍእ የብሉን" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ጅማሮ

እዚ ዅሉ እናሃለወ ኽነሱ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሓልፍ ግዜ "ነቲ ኣባናን ኣብ ካልኦትን ዘሎ ዘየለለናዮ ጽባቐ እንደገና ብምርካብ" ሓድሽ ጅማሮ ዘቕርብ ክኸውን ይኽእል እዩ . . . ብዛዕባ ህይወት ሓደ ሰብ ብምሕሳብ ከምኡውን ብትብዓት ነቲ ዘየድሊ ጐዳኢ ወይ ሓደገይና ዝዀኑ ነገራት ብምውጋድ፡ እቲ ቤት ማሕቡስ ህይወት ዳግም ዚህነጸሉ ቦታ ኪኸውን ከም ዚኽእል ገሊጾም፡ ሓደ ሰብ መደብ ብምግባር ከም ብሓድሽ ክጅምር ሓድሽ መሰረት ክፈጥር ከምኡውን ነቲ ዝሕልፎ ዘሎ ተመክሮ ኣብ ግምት ብምእታው ብቘራጽነት ሓድሽ ናይ ህይወት ምዕራፍ ክሃንጽ ይኽእል እንክብሉ ኣዘኻኺሮም . . . ስርዓት ኣብያተ - ማሕቡስ፥ "ንሰብኣውን መንፈሳውን ባህላውን ሞያውን ዕቤት" ዝሕግዝ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣጒሊሖም፡ እዚ ኸኣ ንዅሉ ዝጠቅም "ጥዑይ ምትሕብባር" ክህሉ ዝገብር ኢዩ።

ኵላትና ይቕረ ዝበሃሎም ክንሓውየሉን ዜድልየና ጌጋታት ኣሎና፣ ነዚ ክንሓስብ እንኮለና ኣብዚ እምነት ክህልወና እንከሎ እዚ ኸኣ ዳግመ ልደት ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ፣ እቲ ዝሓወየ ዝፍውስ ኪኸውን ይኽእል።

ምትእምማንን ተስፋን ኣብ መጻኢ

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩሉ ሰብ ኣብ መጻኢ ዘለዎ እምነት ከሐድስን፥ "ኩሉ ግዜ ናብ ኣድማስ ክጥምት፣ ናብ መጻኢ ብተስፋ ክጥምት" ኣተባቢዖም፥ “ተስፋ ከም መልህቕ ክሓስቦ ደስ ይብለኒ፡ ኣብ መጻኢ ከተመልሕቕ ዝገብር፡ ንሕና ድማ ነቲ ናይቲ መልሕቕ ገመድ ብኢድና ሒዝና ንቕድሚት ንጓዓዝ” ቢሎም፥ ካብቲ ቤት ማሕቡስ ቅድሚ ምፍናዎም ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ብምምስጋን ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ኣደን ዝሓቖፈቶን ህጻንን ቅብዒ ለጊሶም፣ ኣብታ ቅድስቲ ምስሊ ናይ ሓንቲ ኣደ ለውሃት ክትዕዘብ ከም ዝከኣል ገሊጾም "ማርያም ምስ ኩላትናን ንኹላትና ለዋህ ኣደ እያ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ድሕርዚ ጕጅለታት እሱራት ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ምብጻሕ ንምምስጋንን ንዓታቶምን ንዓለምናን ዝሓሸ መጻኢ ንኺረኽቡ ተስፋ ብምግባር ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ። እቶም እሱራት ድማ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ካብ ዘፍርይዎን ዘምርትዎን ነግራት ንቕዱስነቶም ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም የመላኽት።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቨነዚያ ኣብ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ምብጻሕ ኣካይዶም
29 April 2024, 16:05