ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ ዓለም ክርስትያናዊ ተስፋ የድልያ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ርኽሰትን ጽቡቕ ባህርያትን ዝምልከት ዘቕርብዎ ተኸታታሊ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ዕለት 8 ግንቦት ረቡዕ ብዛዕባ መፍነሳዊ ሓይላት (ቲዮሎጊያውያን ሓይላት) መሰረት ገይሮም ዛዕባ ‘ተስፋ’ የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ግንቦት ረቡዕ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መወዳእታ ጽሕፍቶና (ዕጭና) ኽሓስቡ እንከለዉ ተስፋ "ንልቢ እተዋህበ መልሲ” ምዃና የስተብህሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኻልኣይ ናይ ሰለስተ መንፈሳዊ ሓይላት (ቲዮሎጊያውያን ሓይላት) ብምትኳር ነቲ ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ንዝለዓል ሕቶታት "ኣሉታዊ መልሲ" ናብ ጓሂ ከም ዝመርሕ ኣፍልጦ ሂቦም - "ጕዕዞ ህይወት ትርጕም ዘይብሉ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ መጀመርታን መወዳእታን ዋላ ሓንቲ ነገር እንተድኣ ዘየልዩ ስለምንታይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ንርእስና ንሓትት ኢና፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብተስፋ ምቝራጽ ንዛዘም።

ር.ሊ.ጳ. በንዲክቶስ መበል 16 ጠቒሶም ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወት ተስፋ ምስ ዝቖርጹ "ኵሉ ኻልእ ሓይላት (ሰናይ ባህርያት) ክፈርስን ኣብ ሓምዅሽቲ ክወድቕን ይኽእል ኢዩ” ቢሎም - "መጻኢ እወንታዊ ክውንነት ከም ዘለዎ ርግጸይና ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ ኣብዚ እዋን እዚ እውን ክንበር ዝከኣል” ኢሎም።

መንፈሳዊ ሓይላት (ቲዮሎጊያውያን ሓይላት)

ክርስትያን ተስፋ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ብቕዓት ከምዘይመጽእ ይግንዘቡ እዮም ክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ገሊጾም፡ “ኣብ መጻኢ ይኣምኑ እዮም እቲ ምኽንያት ከእኣ፥ ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን መንፈሱ ስለ ዝሃበና እዩ።” ተስፋ ልክዕ “ካባና ዝፍልፍል ኣይኮነን... ብቐጥታ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ህያብ ስለዝኾነ - ቲዮሎጊያዊ” ሓይሊ ዝኸውን እንክብሉ የብርሁ።

ር.ሊ.ጳ. ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተዋህበ ፍሉጥ ክፍሊ ብምጥቃስ – ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ኰይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም” – ንእምነትን ዘይምእማንን ብምንጽጻር ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ዘይትኣምኑ እንተ ዄንኩም ግና ኵሉ ነገር አረ ስብከት ሃዋርያት እውን ከይተረፈ ኸንቱ ይኸውን” ቢሎም ቀጺሎም “ኣምላኽ መሓርን ካብ ልብና ዚዓብን እዩ" ነዚ ኽንርስዕ እንኰለና ብዛዕባ ሕማቕ ናፍቆት እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመና ሓጐስን ብሰንኪ ሓጢትና ዘጋጥመና ተስፋ ምቝራጽን ሓዊስካ ጸረ ተስፋ ካብ ዝኾነ ሓጢኣት” የጠንቅቑ።

ተስፋ ዘድልያ ዓለም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሎሚ ዓለም ነዚ ክርስትያናዊ ጽቡቕ ባህርይ - ቲዮሎጊያዊ ሓይላት ኣዝዩ የድልያ” እንክብሉ፥ እቲ “ምስ ተስፋ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ትዕግስቲ - ሰናይ ባህሪ” ከምዘድልያ ወሲኾም ምስ ገለጹ፡ እቶም ትዕግስቲ ዝገብሩ ብትሪ ሰላም ዝደልዩ “ኣለምቲ ሰናይ እዮም” ምስ በሉ፥ “ኣብ ከባቢና ብዙሓት ኣብ ተስፋ ምቑራጽ ኣብ ዝወድቑሉ እዋን እውን እንተኾነ እቶም ብተስፋ ዝተደፋፍኡን ዝዕገሱን ኣብ ማእከል ኣዚዩ ጽሉም ለይቲ ክሓልፉ ይኽእሉ” እዮም ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ቕዱስ ኣቦ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ነቲ ናጽላ መሲሕ ዘጓነፎም ስምኦንን ሃናን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝገደፍዎ ኣብነት ብምዝካር "ተስፋ ናይ ልቢ መንእሰያት ክቡር ዋጋ ኢዩ" ምስ በሉ፥ ስምኦን ዎ ጐይታይ፡ ነቲ . . . ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ከም ቃልካ ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ . . . ዝበሎ ጠቒሶም “ንቕድሚት ብምባል ተስፋ ክህልወና ጸጋ ንለምን፣ ተስፋ ብትዕግስቲ” ቢሎም፥ ከምኡ’ውን “ኩሉ ግዜ ናብቲ ናይ መወዳእታ ርክብ ጠምቱ፤ እግዚኣብሄር ወትሩ ኣብ ​​ቀረባና ከም ዘሎ፡ ሞት ፈጺሙ፡ ፈጺሙ ከም ዘይዕወት፡ ኣስተብህሉ” እንክብሉ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም።

08 May 2024, 17:21