2024.05.26 Santa Messa in occasione della Prima Giornata Mondiale dei Bambini 2024.05.26 Santa Messa in occasione della Prima Giornata Mondiale dei Bambini  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ምስ ቈልዑን ህጻናትን ኣብ ቅዳሴ፦ 'መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና የሰንየና ኢዩ!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ቀዳመትይቲ ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ህጻናት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ "ኣምላኽ ፈጢሩና ኢየሱስ ኣድሒኑና መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወትና የሰንየና እዩ" ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ቀዳም ዕለት 25 ግንቦት ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ኦሎምፒክ ምስ 50,000 ዝዀኑ ቈልዑን ህጻናትን ተራኺቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀዳምይ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻናት ክኸብር ዝቕረብዎ ጻውዒት መዛዘሚ መደብ እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኢዩ ዝነበረ ።

ትማሊ ሰንበት ከምቲ ላቲናዊ ስርዓት ዝእዝዞ ሰንበት ቅድስቲ ሥላሴ ኢዩ ዝንበረ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ብዛዕባ እዚ ክብረ በዓል እዚ ኣብቲ ዘለገስዎ ቃል ኣምላኽ ኣስተንተኑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ስብከቶም ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ቘልዑ ህጽናትን ነቲ ኣብ ውሽጢ ቅድስቲ ሥላሴ ዘሎ ዓሚቝ ሓድነትን ፍቕርን ከም ስድራቤታዊ ህይወት ገይሮም ገለጹሎም ። "ናብ ኣምላኽ ናብ ኣምላኽ ኣቦ ናብ ኣምላኽ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡውን ናብ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንጽሊ ኢና። ክንደይ 'ኣማልኽቲ' ኢዮም ዘለዉ? እወ ሓደ ኢዩ፡ ኻብ ሰለስተ ኣካላት ሓደ ኣምላኽ ኣሎና" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻናት 2024
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻናት 2024

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ቘልዑ "ናብ ኣምላኽ ኣቦ ኽንጽሊ ኸለና ኵላትና እንጽልዮ ጸሎት እንታይ እዩ ?" ኢሎም ሓተትዎም። ንሳቶም ከኣ "ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር" ኢሎም መለሱሎም፣ ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ካብቲ ንዅላትና ዝፈጠረናን ኣጸቢቑ ዘፍቅረናን ኣቦና ዝኾነ ኣምላኽ መምርሒ ክደልዩ ውን ኣተባብዕዎም።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣቓልቦኦም ናብቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምልስ ብምባል፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወቶም ዘለዎ ኣገዳስነት ገለጹ ። "ንሱ ስለ ዚሕግዘናን ስለ ዚቐርበናን ከምኡ ውን ሥጋኡን ደሙን ክንቅበል ከሎና እውን ከይተረፈ ንኢየሱስ ንቕበሎ ንሱ ድማ ንዅሉ ሓጢኣትና ይቕረ ይብለልና እዩ" በሉ። ኣስዒቦም ድማ "ኢየሱስ ንዅሉ ይቕረ ይብለንልና ድዩ?" ክብሉ ሓተትዎም፣ እቶም ህጻናት ኸኣ "እወ!" ክብሉ መለሱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓለም ለካዊ መዓልቲ ህጻናት 2024
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓለም ለካዊ መዓልቲ ህጻናት 2024

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ኣስተንተኑ ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ኸም ዘሎ ብምግላጽ፣ መንፈስ ቅዱስ ብጥምቀትን ብካልኦት ምስጢራትን ከም እንቕበሎ ብምግላጽ ንመንፈስ ቅዱስ ምርዳእ በዳሂ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣስተምሃሩ ። ብድሕርዚ ቅዱስነቶም ነቶም ቈልዑ ነዛ ሓረግ እዚኣ ብሓባር ክደግምዋ ቕድሚ ምትብባዕ "መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና የሰንየና ኢዩ" በልዎም ። መንፈስ ቅዱስ ሰናይ ንኺገብሩ ኸም ዚመርሖም ኣብ ጽንኩር እዋናት ከኣ ከም ዜጸናንዖምን ከም ዜበርትዖምን ውን ገለጹሎም ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ቈልዑ ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ኣስተምሃርዎም ። በዚ ኸምዚ ድማ "ስም ናይታ ኣብ ሰማይ ዘላ ኣዴና መን እዩ?" ክብሉ ቅዱስነቶም ሓተትዎም፣ እቶም ቈልዑብ ህጻናትን ኸኣ "ማርያም!" ኢሎም መለሱሎም። ድሕሪዚ ድማ ሰላም ንዓኺ ማርያም ብሓባር ጸልዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻናት 2024
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻናት 2024

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ቈልዑ ምእንቲ ወለዶምን ኣቦሓጎታቶምን ንእኖሓጎታቶምን ንዝሓመሙ ቈሉዑን ህጻናን ከምኡ ውን ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ተማሕጸንዎም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኵላትና ንቕድሚት ምእንቲ ኽንስጕም ምእንታና ውን ጸልዩ" ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ ።

27 May 2024, 16:24