ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ክፍቲ እያ፡ ንሓደኣዊ ጾታዊ መርዓ ግን ኣይትባርኽን!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ ዋና ኣሰናዳኢት ናይ ምሸት መደብ ዜና ሲቢኤስ ኖራ ኦ’ዶነል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ ንኹሉ መዓጽዋ ክፉት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉስነቶም ማእከላይ ዝኾነ መትከል ሓቛፍነትን ዘለዎም ራእይን ኣብቲ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዕለት 24 ሚይዝያ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹእውን ዜና ቫቲካን የመላኽት።
"ወንጌል ንዅሎም ሰባት እንኮላይ ንዅሎም ሓጥኣን እዩ - ቤተ-ክርስትያን "ናይ ጉምሩክ መፈተሺ ነቝጣታት" እንተ ኣቚይማ ኸኣ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዃን ከም ኣተቋርጽ ኣጠንቀቖም ብዛዕባ እቲ ሰረተ-ትምህርቲ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት"Fiducia Supplicans - ስኢል ተኣምኖ” ብዝብል እርእስቲ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ኣዋጅ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘመላኽቶ ብዛዕባ ሓደኣዊ ጾታዊ መውስቦ ምብራኽ ዝብል ዘይኮነ ንውልቀ-ሰባት ቡራኬ ክረኽቡ ዝፈቅድ እኳ እንተኾነ ነቲ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን፥ "ሓደኣዊ ጾታዊ መውስቦ” ክባረኽ የብሉን ዝብል ትእዛዝ ዘኽብር ምዃኑ ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።
መተካእታ ውላድ ንግድ ኣይኮነን!
"ሓድኣዊ ጾታዊ ስምዒት ገበን ኣይኮነን - ናይ ሰብኣዊ ኩነታት እዩ" እንክብሉ ርእይቶ ምስ ሃቡ ኣስዒቦም ንመተካእታ ውላድ ዝብል ኣብ ስነ ሕክምና ዘሎ ኣሰራርሓ ኮኒኖም፥ እዚ ተግባር እዚ ንግድ ኮይኑ ኣሎ እዚ ድማ ኣዚዩ ዘሕዝንን ኣሉታዊ ተግባርን እዩ ምስ በሉ፥ እታ ጋዜጠይና ምስ እዚ ኣተሓሒዛ እቲ “ስነ መተካእታዊ ውላድ” ንገለ ክወልዳ ዘይክኣላ ዝሓመማ ደቂ ኣስንትዮ እንኮ ተስፋ "ክኸውን ይኽእል እዩ" ምስ በለቶም፥ ዘኽታማት ከም ውላድካ ምቕባልን ምዕባይን እውን ተስፋ እዩ" ቢሎም መልሲ ዝሃቡ ቅዱስነቶም፡ ነቲ ግብረ ገባዊ መትከል ብዘይ ምጥሓስ ግን ከም ኣማራጺ ምቕባልን ሞራላዊ መትከላት ምጽናዕን የድሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ካብ ዓቃባውያን ዝቐርብ ነቐፌታ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ካብ ገለ ዓቃባውያን ጳጳሳት ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዝቐርቦም ነቐፌታ ንዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፥ “ዓቃባዊ ማለት ኣብ ሓደ ነገር ተጣቢቑ ካብቲ ዝተጣበቕካሉ ክንየው ምርኣይ ዘይምኽኣል እዩ! ነብሰ ቅትለት ዝፈጥር ኣተሓሳስባ እዩ ምኽንያቱ ንትውፊትን ሕሉፍ ኩነታት ኣብ ግምት ምእታውን ሓደ ነገረ እዩ፣ ግን ገዛእ ርእስኻ ኣብ ሃመንናዊ (ዶግማዊ) ሳጹን ምዕጻው ካልእ ጉዳይ እዩ!”
ጻውዒት ሰላም
እቲ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት እውን ነቲ ካብ ዕለት 25 – 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ዝተንከፈ ከም ዝኾነን፥ በዚ መሰረት እውን ካብቶም ኣብ ኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉን ኣብ ቓዛን ዩክረይንን ዝተረስዑን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ኣብ ስቓይ ዝርከቡን ህጻናት እናሓሰቡ፡ ኣብ ኲናት ንዝርከባ ሃገራት ዘቕርብዎ ጻውዒት ሰላም ደጊሞም ብምቅራብ፥ "ኩናት ስዕረት እዩ - ክንጽየፎን ዓገብ ክንብሎን ዝግብኣና ጉዳይ እዩ። ናብ ሰላም ዝድርኽ መገዲ ዘተ ክርከብ ኣለዎ፡ መገዲ ሰላም ድማ ዘተ እዩ። ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት ኩሉ ግዜ ምንቲ ሰላም ዝግበር ቀጻሊ ዘተ ይሓይሽ.... ምስምዕማዕ ጽን ምብህሃልን ንዘተ!"
ምኹናን ርእየተ ዓለም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እስራኤልን ቓዛን ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ቀጽሪ መናብርተ ጥበብ ዝርአ ዘሎ ነቲ ኲናት ዝቃወም ምንቅስቓሳትን ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ከምኡ'ውን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ-ሴማውነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ "ኩሉ ርእየተ ዓለም ሕማቕ እዩ፡ ጸረ-ሴማውነት ድማ ርእየት ኦለም እዩ፡ ሕማቕ'ውን እዩ። ኩሉ 'ተጻነይት' ኩሉ ግዜ ሕማቕ እዩ . . . እንክብሉ ደጊሞም ምስ ኣረጋገጹ፡ ንሓደ መንግስቲ ወይ ካልእ መንግስቲ፡ ወይ ንመንግስቲ ፍልስጤምን እስራኤልን ክትነቅፍ ትኽእል ኢኻ፡ ግን ከኣ ጸረ ፍልስጤም ይኹን ጸረ-ሴማውያን ዘይምዃን ይግባእ!"
ስደተይታትን ዘይምግዳስን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመከራ ስደተይናታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ነቲ ሰፊሕ ዘይምግዳስ ምስ ናይ ጲላጦስ ጴንጠናዊ ምሕጻብ ኢድ ብምምስሳል፡ "ብዙሓት እቲ ዝፍጸም ዘሎ ኩነት ይርእዩ፥ ውግኣት፡ በደላት፡ ገበናት . . . እዚ ድማ ዘይምግዳስ እዩ። በጃኹም፡ ልብና ተሃዋሲ ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኩሉ ሰብኣዊ መዓት ዘይግደሱ ኮይና ክንጸንሕ ኣይንኽልን። ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ኣዚዩ ሕማቕን ዓብይ ሕማምን እዩ!”
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መንግስቲ ግዝኣት ተክሳስ ኣብቲ ምስ መክሲኮ ኣብ ዘዳብው ከባቢ ዝርከብ ንዘይሕጋውያን ስደተይናታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ክዓውጽዎ ይጽዕር ከም ዘሎ ዝንገር ዘሎ ጉዳይ ንዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ናይ ግብረ ሰናይ ሓገዝ ዝህብ ማሕበር ረድኤት ምዕጻው “ውጹእ ጽላለ እዩ! "ነቲ ዶባት ምዕጻውን ነቶም ስደተይናታት ኣብኡ ምሕዳግ ብሓቂ ጽላለ እዩ! እንክብሉ ኣጒሊሖም፥ "ንስደተይታት ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበልዎም ኣለዎም። ድሕሪኡ ብኸመይ ከም እንሕዞም ምርኣይ፥ ምናልባት ናብ ዝመጽሉ ክምለሱ ዘለዎም ክኾኑ ይኽሉ ብዛዕባ እዚ ዝፈልጦ ጉዳይ የብለይን። እንተኾነ ግን ናይ ነፍሲ ወከፍ ስደተይና ብሰብኣዊ መገዲ ክረአን ሓፈሻዊ ዘይኮነ ናይ ነፍሲ ወከፎም ጉዳይ ብተናጸል ክረኣ ኣለዎ፡ ናይዚ ኩሉ ሚዛን ድማ ሰብኣውነት እዩ ክኸውን ዘለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።
ዓመጽ ዝጽወር ክኸውን የብሉን
እቲ ቃለ መሕትት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ግህሰት ዝምልከት ጉዳይ እውን ዝተኸፈ ከም ዝነበረን ብዛዕባ እዚ ገበን እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ደጊሞም፥ “ክትጻወሮ ዘይከኣል ገበን እዩ” ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እዚ ጉዳይ እዚ ንኸይህሉን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተነቀፍትን ንምክልኻል ዝያዳ ክግበር ኣለዎ ቢሎም ከም ዝኣምኑ ሓቢሮም፥ ምኽንያቱ "ግህሰት ከቢድን መዓታውን እዩ ብምቕጻዕ ጥራሕ ዝሕለፍ ዘይኮነ እቲ ገበን ንኸይክሰት ኣብ ኣቐዲምካ ናይ ምጥንቃቕ መዳይ ብዙሕ ክስርሓ ኣለዎ እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የመልኽት።