ድለ

2024.05.25 Incontro con i Bambini - Stadio Olimpico 2024.05.25 Incontro con i Bambini - Stadio Olimpico  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ምስቶም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሮማ ዝተጋብኡ ህጻና ንሰላም የኽብሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብታ ቀዳመይቲ ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ህጻናት (WCD) ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ሮሜ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ቘልዑን ህጻናትን ምእንቲ እቶም ብውግእን ምጕዳል ፍትሕን ዚሳቐዩ መዛኑኦም ክጽልዩሎምን ዝሓሸ መጻኢ ንኺረኽቡ ድማ ኬተባብዕዎም ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ 50,000 ዝዀኑ ቘልዑን ህጻንትን ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 25 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምርኻብን ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዘለዎም ኣገዳስነት ንምስትንታንን ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖት ሜዳ ኦሎምፒክ ተኣኪቦም ። ቀንዲ ፍረ ነገር ናይዚ ፍጻመ ድማ ሰላም እዩ ዝነበረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልክዕ ሰዓት 4፡40 ድሕሪ ቐትሪ በታ ኣብ ደባባያትን ሕዝባዊ ቦታትን ንህዝቢ ሰላም እናበሉ ዝንቀሳቐሱላ ክፍቲ መኺና ቅዱስነቶም ኣባኡ ምስ በጽሑ ብጣቕዒትን ድሚቕ ተቕባልን ከምኡ ውን በቲ መዘምራን ሰበኻ ሮማ ዝዝመርዎ ዝነበሩ "ጽብቕቲ ዓለም" ዘርእስቱ መዝሙር ሰላም ተቐበልዎም።

ዅሉ ነገር ናይ ቆልዑን ህጻናትን ብዛዕባ ህይወትን መጻእን ኢዩ ዝምስክር

ድሕርዚ ነቶም ቁልዑን ህጻናትን መደረ ኣስምዕዎም፣ እዚ ድማ ሓጺር መኽፈቲ መደረ ኢዩ ዝነበረ፣  ኣብኡ ኸኣ እቶም ንቈልዑን ህጻናትን መልሲ ኽወሃቦም ከም ዘለዎም ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኽፈቲ መደረኦም ኣብ ቈልዑን ህጻናትን "ኵሉ ነገር ብዛዕባ ህይወትን መጻእን ኢዩ ዝምስክር" ብምባል መደረኦም ጀመሩ፣ ቤተ - ክርስትያን ከም ኣደ መጠን ከአ ሓንጐፋይ ኢላ ከም እትቕበሎምን ብሕያውነትን ብተስፋን ከም እተሰንዮምን ድማ እንደገና ብምርግጋግጽ ምደረኦም ቀጸሉ ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብዕለት 7 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቈልዑን ህጻንትን ዘካየድዎ "ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ንመሃር" ዘርእስቱ ኣኬባ ተተባቢኦም ንመዓልቲ ህጻናት ዓለም ንኽእውጁ ብመንፈስ ከም እተለዓዓሉ ገለጹ። "እቲ ርክብና ምስ ብዙሓት ቈልዑን ህጻናትን መንእሰያትን ክቕጽል ከም ዘለዎ ተገንዘብኩ" ድማ በሉ።

ር. ሊ. ጳ ኣብ መዓልቲ ህጻናት ዓለም 2024
ር. ሊ. ጳ ኣብ መዓልቲ ህጻናት ዓለም 2024

ምእንቲ እቶም ብውግእን ግፍዕን ዚሳቐዩ ዘለዉ ህጻንት ጸልዩ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝቕጽል ዘሎ ብዙሕ ውግኣት ኣትሒዞም ምስቶም ቈልዑን ህጻናትን ተኸታታሊ ሕቶታት ክሓተቱ ጀመሩ ። "በዚ ውግእ ትጕሂ ዲኻ?" "ውግእ ጽቡቕ ድዩ?" እንክብሉ ነቶም ቈልዑን ህጻናትን ምእንቲ እቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለውን ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ዕድል ዝተነፍጐምን ዝጠመዩን ዝጽምኡን ከምኡ ውን እተገለሉ ቘልዑን ህጽናን ክጽልዩሎም ብምዕዳም "ሰላም ሰናይ ድዩ ? " ክብሉ ኢሉ ሓተትዎም ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ "እንሆ ንዅሉ ሓድሽ እገብሮ ኣለኹ" (ራእ. 21፡ 5) ዝብል ጭርሖ ናይቲ ፍጻመ ኣቓልቦኦም ብምምላስ ከስተንትኑ ቀጸሉ።  "ኣምላኽ ሓድሽ ነገራት ህልውና ናባና ኸም ዘምጽእ ስለ ዝነግረና ባህ ዘብል ኢዩ" ድማ በሉ ።

ወትሩ ተሓጐስ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ቈልዑ ብትብዓትን ብሓጐስን ክወጹ ኣተባብዕዎም፣ እዚ ኸኣ ኢየሱስ ከም ዘፍቅሮም ብምስካር ክንዲ ዝኾነ "ጥዕና ነፍሲ" ኢዩ። ኣብ መደምደምታ ኸኣ ምስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮይኖም ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም እናበሉ ክጽልዩ ዓደምዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻናት 2024
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ህጻናት 2024

ብዛዕባ ሰላምን እምነትን ዚገልጽ ህያው ዝርርብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ምስቶም ህጻናን ቆልዑን ዝርርብ ቀጸሉ ገለ ኻብቶም ነተን ሓሙሽተ ኽፍለ-ዓለማት ዝውክሉ ቘልዑን ህጻናትን ድማ እተፈላለየ ሕቶታት ንቅዱስነቶም ሓተትዎም።

ካብ ኮሎምብያ ዝመጸ ጀሮኒሞ ዝተባህለ ህጻን "ሰላም ወትሩ ክርከብ ይከአል ኢዪ ዝብል ሓሳብ ሓቂ ድዩ ? " ክብል ሓተቶም፣  ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልሶም ሰላም ንምግባር ይቕረታ ምሕታትን ምሕረት ምሕታትን ዘለዎ ኣገዳስነት እንደገና ኣዘኻኸሩ ። ካብ ቡሩንዲ ዝመጸት ሊያ ማሪዝ ውን "ቈልዑ ንዓለም ዝሓሸት ቦታ ንምግባር እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ ? " ክትብል ሓተተቶም፣  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ "ኣይትከራኸሩ ንኻልኦት ሓግዝዎም" ኢሎም መለሱላ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ መስከረም ክበጽሕዋ ኣብ መደብ ካብ ሒዞማ ዘለዉ ሃገረ ኢንዶነዥያ ዝመጸት ጓል እንታይ ተኣምር ክትገብሩ ትመርጹ ክትብል ሓተተቶም ። "ኵሎም ቈልዑ ንኺነብሩ ንኺበልዑ ንኺጻወቱ ከምኡውን ንኺመሃሩን ዘድልዮም ኩሉ ነገራት ከም ዝህልዎም ምግባር እዩ ። እዚ ኢዩ እቲ ኣነ ክገብሮ ዝደሊ ተኣምራት” ክብሉ ነቲ ፈደሪኮ ዝበሃል ኢጣልያዊ ህጻን ነቶም ዝሳቐዩ ቘልዑ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ክብል ምስ ሓተቶም እዚ ተኣምራት ክገብሩ ከም ዝደልዩ ኣረጋገጹሎም ።

"መሰረታዊ ድሌታቶም ከማልኡ ዘይክእሉ ቘልዑ ኣለዉ። ኵላትና ማዕረ ኽንከውን ኣሎና፣ ከምኡ ግን ኣይኰነን " ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንዘለኖዮ ኩነታት ኣፍልጦ ሃቡሉ ። "እዚ ዝዀነ ብሰንኪ ስስዐን ብሰንኪ ምጕዳል ፍትሕን እዩ።... ኣብ ዓለም ብዙሕ ምጕዳል ፍትሒ ምእንቲ ኸይከውን ኵላትና ክንሰርሕ ኣሎና" ድማ በሉ ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንእተወሰነ እዋን ስቕ ክብሉን ብዛዕባ እቶም ዝብላዕ ዘይብሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ዘሕዝኑ ቈልዑን ህጻናትን ክሓስቡ ሓተትዎም ።

ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴትሮስ ናይ መጀምርያ ጉባኤ ህጻናት

እቲ ዘካየድዎ ርክብ ምስ ህጻናት ብሙዚቃን ብሓጺርቲ ቪድዮን ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ምስ ኢጣልያውያን ተጻወትቲ ዅዕሶ እግሪ ኣብ ባህ ዜብል ሃዋህው ብዚግበር ሓጺር ውድድር ኵዕሶ እግሪ እተወሃሃደ እዩ ዝነበረ። ኣብ መደምደምታ ኸኣ እቶም ቈልዑ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሰኣልዎ ስእልታት ሃብዎም ።

እንደገና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክረኽብዎም ከም ዝኾኑን ኣብኡ ኸኣ ነዛ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ህጻናት ናብ ቅድስተ ስላሴ ክመርሓና ኢዩ ክብሉ ምስ ህጻናት ዝገርዎ ርክብ ዛዘሙ።

27 May 2024, 16:19