ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንህጻናት ኣብ ቬሮና፡ የዕሩኽ ኢየሱስ ብምዃን ኣንጻር ዋሕዚ ኪዱ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብሓጎስ ፍቕርን እምነትን ኢየሱስ ተደጊፍኩም ገበርቲ ሰላም ክትኮኑን ንኹሉ ጸገማት ክትብድሁን ትኽእሉ ኢኹም . . . እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህጻናትን መንሰያትን ቬሮና ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን ኣተሓሳሲቦም፡ . . . ኣብዚ ርክብ እዚ ድማ ቅድሚ ጸሎት ምዕራጎም ነቶም ህጻናትን መንሰያትን ስለስተ ሕቶ መሰረት ዝገበረ ኣስተምህሮ ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ድምጺ ኢየሱስ ከመይ ጌርካ እዩ ዝስትወል / ብኸመይ ትመምዮ? እንክብሉ ሓቲቶም። ነቶም ሕጻናት ጽቡቕ ነገር ክገብሩ ከለዉ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ስምዒት ከም ዝስምዖም፥ ጌጋ ክገብሩ ከለዉ ድማ ክሳብ ክንደይ ሕማቕ ከም ዝስምዖም ክዝክሩ ዓዲሞም፥ እቶም ሕጻናት ንሕቶታት ር.ሊ.ጳ. ብውዕዉዕ ስምዒት ክምልሱ ከም ዝፈተኑን ቅዱስነቶም፡ ጽቡቕ ስምዒት ሰናይ ተግባር ድሕሪ ምፍጻም ዝንበር ኩነት ከም ዝኾነን እዚ ኸኣ ምስቲ ጎይታ ክዛረቦም ኣንከሎ ዝስምዓካ ስምዒት ሓደ ምዃኑ ኣብሪቦም፡ ቀጺላ ዝነበረት ሕቶ፡ ብኸመይ ገበርቲ ሰላም ንኸውን እትብል ኮይና፡ ኣብዚ መንጽር እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ብሓባር "ምልክት ሰላም ክኾኑ . . . ኣብዚ ድማ ብዘይ ባእሲ ንሓድሕዶም ክሰምዑን ክካፈሉን ክጻወቱን፡ ኣተባቢዖም፥
ኢየሱስ የጸናንዓናን ሓይሊ ይህበናን እዩ
እታ ናይ መወዳእታ ሕቶ፡ ኣብ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ እምነት ምዕቃብ ይከኣል ድዩ? እትብል ኮይና
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ብሞት ምፍላይ እነፍቅሮም ሰባት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ሞት ኣዝማድ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘስካሕክሕ ውግኣት ከቢድ ሓዘን የስዕበልና፡ ግና እቲ ጐይታ ዝህበና ሓጐስ ከም ዘጸናንዓናን ኣብ ጉዕዞና ንዝመጸናን ዘጋጥመና ዘበለ ፈተናታት ክንስዕሮ ኸም ዘኽእለናን ዘለዎም እምነት ምስ ገለጹ፥
ምስ ኢየሱስ ኣብ ጐድኖም ብሓቂ ገበርቲ ሰላም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ነቶም ሕጻናት ገሊጾም፥ ብትብዓትን ብእምነትን ነቲ ማዕበል - ዋሕዚ ክጻረርዎ ከምኡ እውን ነቲ ውህበቶም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክጥቀሙሉ ኣተባብዖም፥
"ጽቡቕ ነገር ክትገብር እንተ ደሊኻ ኣንጻር ማዕበል - ኣንጻር እዋናዊ ዋሕዚ ንምኻድ ኣይትፍርሑ!
ቢሎም፥ እቶም ቈልዑ ገለ ምርኢታት ንቕዱስነቶም ቅድሚ ምልጋሶም “ኩላትና ሓፍ ቢልና ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ንድገም” ቢሎም ዓዲሞም ድሕሪ ጸሎት ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም ኣተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።