ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክራይንን ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት ንምምችቻእ ድልውቲ ር.ሊ.ጳ.፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክራይንን ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት ንምምችቻእ ድልውቲ   (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክራይንን ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት ንምምችቻእ ድልውቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ምሩኻት ኲናት ክለዋወጡ ጻውዒቶም ደጊሞም ብምቕራብ፣ ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንዝግበር ጻዕርታት ንምምችቻእ ድልውቲ ምዃና የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ በዓለ ዕርገት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ብሓባር መሪሖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ “ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ሓፈሻዊ ምልውዋጥ ኩሎም እሱራት - ምሩኻት” ክግበር ደጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት፥ ናይቲ “ናጻ ክንከውን ዝደለየን፡ ሓራ ዘውጽኣና” ዝተንስአ ጐይታ ዕርገቱ ኣብ ዝተብዓለሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፥ ቅድስቲ መንበር ብፍላይ ብኸቢድ ዝቖሰሉን ዝሓመሙን ዓብይ ግምት ብምሃብ ኣብዚ መዳይ ኩሉ ጻዕሪ ንምምችቻእ ድልውቲ ምዃና የረጋግጹ።

ከምኡ’ውን ነቲ ቀጻሊ ጸሎት ንሰላም ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣሐዲሶም፣፡ “ንሰላም ምጽላይ ንቐጽል፡ ኣብ ዩክሬን፡ ኣብ ፍልስጤም፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ሚያንማር... ምእንቲ ሰላም ንጸሊ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕሉፍ ምልውዋጥ እሱራት

ክሳብ ሕጂ ሩስያን ዩክሬንን ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዘን ልዕሊ 50 ግዜ ዝኸውን ምልውዋጥ ምሩኻት ከም ዘካየዳን እዚ እውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሩኻትን እሱራትን ዘጠቃለለ ከም ዝነበረን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ ዩክረይን ርእሰ ብሔር ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ነዚ ስምምዓት ስዒቡ ኣስታት 3000 ወተሃደራት ዩክሬን ናጻ ከም እተለቁ ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

13 May 2024, 17:02