ድለ

መለለይን መርሕ ቃልን ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እስያ መለለይን መርሕ ቃልን ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እስያ 

መለለይን መርሕ ቃልን ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እስያ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኢንዶነዥያ፣ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፣ ቲሞር ኢስትን ሲንጋፖርን ንኸካይድዎ ናይ ዝኾነ ሓዋርያዊ ጉዕዞ መለለይን መርሕ ቃልን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 8 ግንቦት ብወግዒ ኣላልዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መጻኢ ናብ እስያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝገልጽ መለለይን መርሕ ቃልን ብወግዒ ከም ዘቕረበን እዚ ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 2 – 13 መስከረም 2024 ዓ.ም. ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኢንዶነዥያ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር ኢስት ከምኡውን ሲንጋፖር ዘጠቓልል ምዃኑ ይሕብር።

ኢንዶነዥያ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይ እስያ ሓዋርያዊ ዑደቶም ካብ ዕለት 2 - 6 መስከረም ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ብዘካይድዎ ምብጻሕ ዝብገስ ኮይኑ ዕለት 3 መስከረም ጃካርና ክኣተዉ ከም ዝኾኑን ናይዚ ሓዋርያዊ ዑደት መለለይን መርሕ ቃልን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኽባርኹ ኢዶም ሓፍ ከብሉ እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ ከምኡ እውን ባህሊ ኢንዶነዢያ ዝገልጽ ምስሊ ቅዱስ ንስሪ ዝተነበሮን መርሕ ቃል ናይዚ ጉዕዞ እዚ ድማ “እምነት - ሕውነት - ርህራሄ” ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። 

ፓፑዋ ኒው ጊኒ

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ናብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ክገሹ እዮም፡ ኣብኡ ድማ ክሳብ ዕለት 9 መስከረም ክጸንሑ ከም ዝኾኑን ናይዚ ሓዋርያዊ ዑደት መለለዪ ድማ ምብራቕን ምዕራብን ጸሓይ ዝሕብር ሕብሪ ዝተነብሮ መስቀል ዝተሳእሎ ኮይኑ ኣብ መስቀል፡ ምሳሌ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዝኾነት ዑፍ ገነት ዝተሳእሎን ናይዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ መርሕ ቃል ድማ “ጸሊ” ዝብል ኮይኑ፡ በቲ ደቀ መዛሙርቲ ንኢየሱስ “ጐይታይ ጸሎት ምሃረና” (ሉቃ 11.1) እንክብሉ ዘቕረብዎ ሕቶ ዝተደረኸ እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

ቲሞር - ኢስት ዋጋ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ናብ ቲሞር ኢስት ክገሹን ኣብታ ሃገር ድማ ክሳብ ዕለት 11 መስከረም ክጸንሑ እዮም። ናይዚ ጉዕዞ እዚ መለለዪ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኢዶም ሓፍ ኣቢሎም ክባርኹ እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ ዝተነብሮን ብድሕሪኦም ድማ ናይ ቲሞር ኢስት መልክዓ ዝተነብሮን ናይዚ ዑደት እዚ መርሕ ቃል ድማ ህዝቢ ቲሞር ኢስት ባህሎምን እምነቶምን ክዕቅቡ ዝምዕድ “እምነትኩም ባህልኹም ይኹን” ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ሲንጋፖር

ር.ሊ.ጳ. በቲ ኣብ ደሴት ሲንጋፖር ካብ ዕለት 11 - 13 መስከረም ብዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ናይ እስያ ሓዋርያዊ መገሻኦም ክዛዝሙ እዮም። ናይዚ ሓዋርያዊ ዕደት መለለዪ በቲ ንሰብኣ ሰገል ዝመርሕ ዝነበረ ኮኾብ፡ ሰንደቕ ዕላማ ሲንጋፖር ዝውክልን ምስሊ መስቀልን ቅዱስ ቁርባን ዝተነብሮ ክኸውን እንከሎ፡ “ሓድነት - ተስፋ” ዝብል  ናይቲ ሓዋርያዊ ዑደት መርሕ ቃል ዝተነብሮ ኮይኑ፥ ሓድነት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ኣብ ሕብረተሰብ ስድራ ቤትን ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዘሎ ሕብረትን ስኒትን ዝገልጽ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣድልዎን ስደትን ዘጋጥሞም ብርሃን ተስፋ ዝምልከት ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

09 May 2024, 16:49