2024.05.29 Udienza Generale CRB National 2024.05.29 Udienza Generale CRB National 

ር. ሊ. ጳ. ንናይ ብራዚል ሰብ ውፉይ ሕይወት ጸዋዕታኦም ክከናኸኑን ክኹስኩሱን ተማሕጸንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ሃገረ ብራዚል ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሰብ ውፉይ ሕይወት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ንምህናጽ ዝገበርዎ ዘለዉ እተፈላለየ ኣገልግሎታቶም ድማ ነኣድዎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ብራዚል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ንዝኽሪ መበል 70 ዓመት ምስረታ እዚ ጉባኤ እዚ ይዝክሩ ኣለዉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ በቲ ዘለዎም መጸዋዕታ ኣብታ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ንኼገልግሉ ንምትብባዕ ትማሊ ሓሙስ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ጉባኤ ሰብ ውፍይ ሕይወት "ኣብ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ገዳማዊን ማሕበራውን ህይወት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብታ ኣብ ብራዚል እትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስትያንን ኣኺሉ ዚተርፍ ፍረ" ኼፍሪ ድማ ጸልዮም።

ገዳማውያን ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ብስራት ክርስቶስ ንምእዋጅ ዓብዪ ቘራጽነት ከም ዝገበሩ ውን ገለጹ ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ነቲ ኣብ እተፈላለየ ውህበታት ናይ ነፍስ ወከፍ ማሕበራት ብዘደንቕ ሕብረት ዘበልጽግን ምስቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ተልእኾ ቤተ - ክርስትያን ኣጸቢቑ ዝተሓባበርን ትኽተልዎ ዘሎኹም ህይወት ጸዋዕታ ከመስግነኩም እደሊ ክብሉ ። " ሞሳ ኣቕረቡሎም።

ውህበት ጸዋዕታኹም ሓልውዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ገዳማውያን ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ፍረ ምእንቲ ኽፈርዩ ነቲ "ውህበት ጽዋዕታኦም" መዓልታዊ ክዅስኩስዎን ክከናኸንን ከም ዘለዎ ኣዘኻኸርዎም።

ነቲ ኢየሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት ንሃዋርያቱ እተዛረቦም ቃል ብምዝካር "ኣብ ፍቕረይ ጽናዑ" ዘርእስቱ ፍረ ነገር ኣልዒሎም ንዝገብርዎ ዘለዉ ጉባኤ ውን ነኣድዎ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ነቲ መለኮታዊ ጻውዒት ብጽቡቕ ምእንቲ ኽንነብር ምስ ኢየሱስ መዓልታዊ ጸሎት ብምግባርን ነቲ ርእስና ዝወፈናሉ መብጽዓ እሙናት ብምዃን ኣብ ፍቕሩ ኽንጸንዕ ኣሎና ። " በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ውፉይ ህይወት ኣብ ጐይታ ሱር ምስ ዝሰድድ ንጽባቐ ናይ ምርዳእ ክእለት ዘለዎ ክብሉ ገለጹሎም።

ወንጌላዊ ድኽነት ናብ ዝለዓለ ናጽነት ከም ዚመርሕ ውን ገለጹ፣ ፍቕሪ ድማ ብዘይ ዝኾነ ተጽዕኖ ንኻልኦት ምውፋይ ኢዩ፣ ተኣዝዞ ከኣ ንኣብነት ኢየሱስ ብምኽታል ነቲ ዝቐብርልና ፈተና ፋሉልነት ንኽስዕሮ ዘኽእለና ኢዩ በሉ።

ወንጌል ብትብዓት ምእዋጅ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ብራዚል ዝርከቡ ገዳማውያን ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብዚ እዋን እዚ ንወንጌል ብትንቢታዊ መገዲ ንምእዋጅ ቈራጽነት እናገበሩ "ብህይወት ተመስጦ" ክነብሩ ኣተባብዕዎም።

"ነዚ ባህግታትን ጸሎትን እዚ ነታ ጠበቓ ሃገረ ብራዚል ዝኾነት ኣደ ውፉያት ሰብኡትን ኣንስትን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ ብምምሕጻን ናብኣ የወፍየኩም ኣለኹ፣ ምእንታይ ምጽላይ ውን ከይትርስዑ፣ ብምሉእ ልበይ እልምነኩም ኣለኹ።" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

31 May 2024, 11:10