ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ፍልጠት ንኹሉ ዝሓቁፍ ክኸውን ኣለዎ’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ 200 ዝዀኑ ተማሃሮን መምህራንን ብምኽንያት መበል 140ን መበል 90ን ዝኽሪ ዓመት ቅዋሜ ስነ ጥንታዊ ስነ ጽሑፍን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተን ስነ መዛግብትን ተቕዋማት ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ነቶም ተመሃሮን መምሃራንን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጽርሓ ቀሌምንጦስ ተቐቢሎም፥ ነተን ክልተ ውሩያት ናይ ዝለዓለ ትምህርቲ ትካላት ቫቲካን ምስጋናኦም ገሊጾም፥ "ናብ ሓቂ ንምብጻሕ ኣብ ኵሉ ኵነታት ቅኑዕ ምርምር ዝገብሩ" ሰባት ናይ ምስንዳው ዕዮኦም ኣድላዪ ምዃኑኣጕሊሖም፥ . . . "ሓድሓደ ግዜ ሓበሬታ ብዘይ ምጽራይን ብዘይ ምፍታሽን ኣብ ዝዝርጋሓሉ እዋን ኣድላዪ ዝዀነ ጽኑዕ ናይቲ እተቐበልኩምዎ ትምህርትታት ኣገልግሎት ብሓቂ ወሳንን ኣድላዪን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረአ መርዛም ሓበሬታ ምክልኻል
ቅዱስነቶም ነቲ እተን ተቕዋማት ሃገረ ቫቲክን ዘመዝገበኦ ኣገደስቲ ዓወታት ኣፍልጦ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን፡ ነቲ “ንርእሰ ናእዳ ክቃወሙን ነቲ ወሳኒ ባህላዊ ብድሆታት ዓውሎማዊ ዓለምና ምላሽ ክህቡ ኣተሓሳሲቦም፡ ምስ እደ ጥበባዊ ባህሊ ዘሎ ዝተሓላለኸ ርክብ፤ ከምኡ'ውን "ብዘይ ሓድሕዳዊ ምንጽጻግን ጸቕጢ ምዃንን ክለምዑን ክቐርቡን ዘለዎም" ባህላዊ ልምድታት ምዕቃብ ከም ዘድልን፥ . . . ንዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ፍልጠት ከምኡውን ካብቲ ኣብ ዓለም ማሕበራዊ መራኸቢታትን እደ ጥበባዊ ፍልጠትን ዝርከብ "ዜስክር ዘይጥዑይ ከምኡውን ዓመጽ ዝመልኦ" ሓበሬታ ንምዕቋብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፥
ኣብዚ ማዕቅፍ እዚ፡ “ንዘተን ንሙይይጥን ክፉትነት፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ዝተሓረጉ ወሰናስን ህልውንናን ከተማታትናን ዝርከቡን ንዋታዊ፡ ኣብ ባህላውን መንፈሳውን ድኽነትን ንዝርከቡ ንምቕባል ድልውነት” ከም ዝሓትት ኣመልኪቶም፥
“መጽናዕትታት ብሓቂ ምስ ተኣፋፍነትን ሃብትን ናይ ሎሚ ሰብ ዝመጣጠን ክኸውን ኣለዎ! እዚ ድማ ንዓኻትኩም ተማሃሮ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ዝመርሑኹም መምህራን እውን ዝምልከት እዩ።”
ንዝሓለፈ ሓልዮትን ንመጻኢ ምጥማትን
እተን ክልተ ክቡራት ኣብያተ ትምህርቲ ቫቲካን እምበኣር፣ “ምምሃርን ሓሳባትን ተመኩሮን ምክፋል፣ ብግልጺ ዕብየትን ‘ርእሰ - ውከሳ’ ኣብ ምውጋድን” ክቕጽላ ኣለወን። ነቲ ክቡር ሕሉፍ ታርኽ ናይተን ክልተ ተቕዋማት ብሞሳ እናጠመቱ፡ “ንቕድሚት ክተኩርን፡ ንመጻኢ” ክጥምቱ፡ ከምኡ’ውን “ካብ ባህላውን ሞያውን ዓለም ብዝመጽእ ሕቶታትን ንነብሶም ዳግማይ ክሓስቡ” ትብዓት ክህልዎም ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓደጋታት ስነ ህልዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጽናዕታዊ ስነ ምርምር ንምግባር "ኣዝዩ ግብራውን ጭቡጥን ኣቀራርባ" ከም ዘድሊ ብምዝኽካር፡ ነተን ክልተ ናይ ዝለዓለ ትምህርቲ ትካላት ሃገረ ቫቲካን ስነ መዛግብትን ስነ ቤተ-መጻሕፍትን ናይ ነዊሕ ዘመናት ውርሻኦም ናብ ሕጅን ኣብ መጻእን ወለዶታት ንምስግጋር በዚ "ጭቡጥን ግልጽን" መገዲ እዚ ክቕጽላ ብምትብባዕ፥
"እዘን ኣብያተ-ትምህርቲ እዚኣተን ኻብ መበቈለን እትሒዘን ወሳኒ መለለዪ ኣለወን - ብመሰረት እቲ ብተደጋጋሚ ከም ዝሓበርክዎ መስመር ምስ ስነ - ህልዮ ምንጽጻር ዝያዳ ዋጋ ስለ ዘለዎ ብሉጽ ግብራዊ ኣቀራርባ ዘለዎን ንጸገማትን መጽናዕትን ብጭቡጥ ኣቀራርባ ምምልካትን የድሊ!
እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብኽልቲኡ ዝኽሪ ምኽንያት ምስ ካርዲናል ፓሮሊን ዝተኻየደ ዋዕላ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቫቲካን ኣብያተ ትምህርቲ ስነ ጥንታዊ ስነ ጽሑፍን፣ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብን ስነ ማህደርን መጽናዕትን ናይ ቤተ መጻሕፍቲ ስነ ፍልጠት ብትእዛዝ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 23ን ፒዮስ መበል 11ን ኣብ 1884 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ 1934 ዓ.ም. ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓዋርያዊ ቤተ ማህደር (ቤተ መዛግብት) ቫቲካንን ቤተ መጻሕፍቲ ቫቲካንን ዝጥርነፍ ክኸውን እንከሎ፡ ናይዘን ክልተ ተቕዋማት ቫቲክን መበል 140ን መበል 90ን ዓመት ዝኽሪ ምስረታአን ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዕለት 13 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ዓውደ ጉባኤ ምክያዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቲ ታሪኽ ዳግማይ ዝድህስስን ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ናይዘን ክልተ ኣገደስቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ቫቲካንን ከም ኣተዘተየን ካብቶም ቀንዲ መደረ ዘስምዑ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ከምኡ’ውን ነቲ መደብ ዘዳለወ ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤተ - ማህደርን (መዝገብን) ቤተ መጽሓፍትን ዋና ሓላፊ ኣቡነ ኣንጀሎ ቪንቸንዞ ዛኒ ከም ዝኾኑ የመላኽት።