ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ክህሉ ይጽውዑ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ክህሉ ይጽውዑ!  (AFP)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ክህሉ ይጽውዑ!

“ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማሕበር ሳሔል” ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ቅዋሜኡ ኣብ ዝዝክረሉ ዘሎ እዋን፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሰላምን ምዕባለን ከተዕቢ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 11 ግንቦት ብይብጻሕ ናብ ናይ ኩለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ቺዘርንይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፥ “ ብምኽንያት መበል 40 ዓመት ቅዋመ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዛዕባ ዞባ ሳሔል ዝሓልይ ማሕበር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ንዝሳተፉ ዘለዉ ንወከልቲ ኣህጉራውን ሃገራውን ትካላት ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡን፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሕሪ እቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ምብጻሕ ነቲ ብደርቅን ምስፋሕ ምደረ በዳነትን ዝሳቐ ህዝቢ ብድሆታቱ ብቐረባ ምስ ተዓዘቡ ነቲ ከባቢ ብፍሉይ ዝግደስ ማሕበር ሳሔል ኣብ 1984 ዓ.ም. ክቐውም ከም ዝገበሩ ዜና ቫቲካን ኣዘካኺሩ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማሕበር ሓልዮ ሳሔል ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተመስረተን ዝተተኽለን ከም ዝኾነን፥ ስለዚ ጻውዒቶም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኣወዳታን ኣዋልዳን ቤተ ክርስቲያን ንዘለዋ ፍቕሪ ኣድማዒ ምልክት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ . . . ቅድስቲ መንበር ብፍሉይ ተገዳስነት ብመገዲ ኩለንተናዊ ምሉእ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎትብዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣቢላ” ከም ዝበሉ ይሕብር።

‘ናይ ደገ በረኻታት ንውሽጣዊ በረኻታት ከንጸባርቑ ይኽእሉ እዮም

ፍራንቸስኮ ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምጥቃስ “ግዳማዊ በረኻታት ንውሽጣዊ በረኻታት ከንጸባርቑ ከም ዝኽሉን፣ ከምኡ’ውን ‘ወዲ ሰብ ንከባቢ ዝሕዞ ኣገባብ ኣብ ኣተሓሕዛ ገዛእ ርእሱን ብኣንጻሩን ይጸልዎ’” ቢሎም፥ ነፍሲ ወከፍና “ናይ ምትሕግጋዝን ሓላፍነትን ተግባርና ካብቲ ኣብ ፈጣሪ እግዚኣብሔር ዘለና እምነትን ንብጻይና ዘለና ፍቕሪን እዩ ዝምንጭው - ቢሎም - . . . ዝነብርዎ ሕራጎትን ስቓዮምን ንምውጋድ ወይ እንተወሓደ ንምቅላል ብኸመይ ኣበርክቶ ክንገብር ንኽእል?” እንክብሉ ሕቶ ኣቕሪቦም፥ “ህዝቢ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ቅድሚ ብዙሕ ምስሉይነትን ብዙሕ ዘይተፈጸመ መብጽዓታትን . . . ኣብ መላእ ዓለም፣ ብፍላይ ኣብ ሳሔል ንዝርከቡ ማእለያ ዘይብሎም ድኻታት፣ ድምጺ ክኾኖም፣ ክከላኸለሎም፣ ምስኦም ብተሓባባርነት ደው ክብል፣ ወትሩን ኣብ ኩሉ ቦታን ኣብ ቅድሚት ብምዃን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምዕራብ ኣፍሪቃ ገና ኣብ ትሕቲ ቅልውላው ትሳቐ ኣላ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ገለ ሃገራት ገና ንሰላምን ምርግጋእን ንጸጥታን ልምዓትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝተፈላለየ ቅልውላዋት የጋጥመን ከምዘሎ ዘኪሮም፥ "እዞም ምስ ግብረሽበራ፡ ቁጠባዊ ዘይርጉእነት፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ምስ ዝፍጠር ግጭት ዝተኣሳሰሩ ተርእዮታት፡ ተቓላዕነት ግዝኣታትን ድኽነት ዜጋታትን የጋድዱ፡ ውጽኢቱ ድማ ስደት መንእሰያት የስዕብ - ቢሎም - እዚ ኵነታት እዚ ንዕማም ማሕበር ሳሔል በዳህን ኣብ ጸገም ዘእቱን እውን እንተኾነ መተካእታ ዘይብሉ ይገብሮ።”

‘ድሕሪ ሕጂ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣይኮነን፡ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ!’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጻውዒት ደጊሞም ብምቅላሕ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት “ኣብ ሳሔል ድሕነትን ፍትሕን ሰላምን ውሑስ ንምግባር ክዓዩ!” ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ድሕሪ ሕጂ እንጽበየሉ ግዜ ኣይኰነን: ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ!”

ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ብኽብሪ ክነብርን ምሉእ ብምሉእ ክዅላዕን መሰረታዊ መሰል ኣለዎ” እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፥  “ዝኽሪ ቅዋመ ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓልዮ ንሳሔል ንሰብኣዊ ምዕባለ ናይ ኩሉ ህዝቢ ሳሔል ኩሉ ዘድሊ ተበግሶታት ንህንጸት ፍትሕን ሰላምን ንዘይነጻጸል - ኩለንተናዊ ውሁድ ምሉእ ዘላቕነትን ከለሊ፡ ከስፋሕፍሕን፡ ብቆራጽነት ክተግብርን ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 May 2024, 17:25