ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሐደ ቍምስና ሮማ ምስ ሽማግሌታት ካህናት ተራኺቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰሉስ ዕለተ 14 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ናብ ሓደ ኣብ ጥቓ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ቍምስና ቅዱስ ዮሴፍ ዘትሪዮንፋለ ምብጻሕ ኣካዪዶም። ካብ ሓውርያዊ መንበሮም ወጺኦም ኣብቲ ቁምስና ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ብኣማኢት ብዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ቅርዓት ናይቲ ቤተክርስቲያን ድሙቕ ተቕባል ተገብረሎም።
ቤተክርስትያን ቅዱስ ዮሴፍ ዘትሪዮንፋለ ብኣባ ሉዊጂ ጉዋኔላ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ዝመስረታ ቤተ-ክርስትያን ኮይና፣ ክሳዕ ሕጂ ብጓኔላውያን (ኣገልገልቲ ግብረ-ሰናይ እውን ተባሂሎም ዚፍለጡ ማሕበር) እትመሓደር ኢያ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝገበርዎ ምብጻሕ ምስ 70 ዝኾኑ ቅድሚ 40 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝኾነ ዓመታት ክህነት ዝተቐበሉ ካህናት ናይ ብሕቲ ኣኼባ ኣካዪዶም።
ምስቶም ኣብ ሮሜ ዜገልግሉ ካህናት እተገብረ ኣኼባ
እዚ ኣኼባ እዚ ሓደ ኽፋል ናይቲ ጳጳስ ሮማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረም፣ ኣብ ሓሙሽተ ኽፍልታት ሰበኻኦም ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ቆሞሳትን፡ ተሓጋገዝቲ ቆሞሳትን፡ ከምኡውን ምስ ዝተፈላለሉ ኣገልገልትን ዝገብርዎ ምርኻብን ምብጻሕን ኢዩ ዝነበረ ።
እቲ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ዝገበርዎ በዕለት 3 ግንቦት ኣብ ባዚሊካ ደብረ ቅዱስ መስቀል ዘኢየሩሳሌን ምንባሩ ውን ዝዝከር ኢዩ።
ብመሰረት እቲ ትማሊ ንግሆ ብቤትጽሕፈት ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ዝወጸ ኣዋጅ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ካብ 2014 ክሳዕ 2024 መዓርገ ክህነት እተቐበሉ ካህናት ብዕለት 29 ግንቦት ስዒቡ ዝግበር ርክቦም ክኸውን ኢዩ ።
ኣብ ቁምስና ደብረ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋም ምኽትል-ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ባልዶ ራይና ጳጳስ ሚሸል ዲ ቶልቭን ሰበኻዊ ወኪል ንሓልዮት ቤተክህነትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ሰበኻን ከምኡውን ነቶም ቆሞስ ክቡር ኣባ ፍራንዝ ቶማሶ ጊልዮላ ሰላምታ ኣቕረቡሎም ።
ምስ 70 ካህናት ናይ ብሕቲ ኣኼባ ዝርርብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ናይቲ ቁምስና ምስ ብዕድመ ዝደፍኡ 70 ካህናት ሰበኻ ሮማ ናይ ብሕቲ ዕጽው ኣኼባ ኣካዪዶም። ሓደ ካብዚኣቶም እቶም ወዲ 94 ዓመት ዝዀኑ ክቡር ኣባ ኣንቶንዮ ሲያሚ ኣብ ክህነታዊ ኣገልግሎት 70 ዓመት ዝገበሩ ኢዮም ዝነበሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኽብፈቲ ኣኼባኦም "ናብ እኖና ድንግል ማርያም ንጸሊ እሞ ኣኼባና ንጀመር" በልዎም።
ድሕሪ ጸሎት በቶም ኣብ ደብረ ቅዱስ ዮሴፍ ቁምስና ዝዓዩ ብጹዕ ኣቡነ ዲ ቶልፍ ዘቕረብዎ ሓጺር መደረ ጀሚሮም፣ ምስ እዞም ካህናት ብሕቶን መልስን ዝተሰነየ ዕጹው ኣኼባ ኣካዪዶም።