ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ላትቭያ ተራኺቦም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ላትቭያ ኤድጋርስ ሪንክየቪችስ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 16 ግንቦት ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ሓዋርያዊ ህንጻ ተቐቢሎም ኣዘራረብዎ።
ድሕሪ እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተገብረ ኣኼባ ርእሰ ብሔር ኤድጋርስ ሪንኪቪች ኣስዒቦም ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ተራኺቡ ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተገብረ ኣኼባ "ሓባራዊ ዘተ" ቢሎም ብምጽዋዕ "ኣብ መንጎ ቅዱስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ሃገረ ላትቭያን ዘሎ ጽቡቕ ርክብን ዘለዎም ዕጋበትን ዝገልጽ ምንባሩን ከምኡ ውን ክርስትያናዊ እምነት ኣብ ሕብረተሰብ ላትቭያ ዘለዎ ኣገዳስነትን ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ " ክብል ይገልጾ ።
ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ ርእሰ ብሔር፡ ሃገረ ላቲቭያ ክሳብ 1991 ከም ዩክረይን ክፍሊ ሕብረት ሶቭየት ብምንባራ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕስል ዘሎ ግጭት ውን ኣቓልቦ ሂቦም ዘትዮምሉ።
ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምድላይ ዘለዎ ግደ እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ ።
ኣብቲ ዝነበረ ምይይጥ ከምኡ ውን ብዛዕባ ሰብ ዘስርሖ ኣስተውዕሎት ከም ምዕባለ ሓድሽ ተክኖሎጅን ዘምጽኦ ብድሆታት እውን ዘጥቓልል ኢዩ ዝነበረ ።
ኣብ መወዳእታ እቶም ርክባቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንፕረዚደንት ሪፓብሊካዊት ሃገረ ላትቭያ እተፈላለዩ ህያባት ኣቕረቡሎም ።