ድለ

ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ዶሚኒካን ተራኺቦም ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ዶሚኒካን ተራኺቦም  (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ዶሚኒካን ተራኺቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ግንቦት ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተወ ንናይ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ርእሰ ብሔር ልዊስ ሮዶልፎ ኣቢናደር ኮሮና ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሶኑይ ዕለት 27 ግንቦት ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተወ ንናይ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ርእሰ ብሔር ልዊስ ሮዶልፎ ኣቢናደር ኮሮና ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ኣቢናደር ኮሮና ካብ ቅዱስንቶም ምስ ተሰናበተ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም ኣተራኸበን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ሰናይ ዝምድና ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ዶመኒካንን

ኣብቲ  ኣብ መንጎ ካርዲናል ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን ርእሰ ብሔር ኣቢናደር ኮሮናን ዝተኻየደ ዘተ “ምዉቕን ልባውን ከም ዝነበረን እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ዝምድናታት ዝያዳ ዘደልድል “ንጽቡቕ ክልተኣዊ ዝምድናታት” ሞሳ ዘቕረበ ምንባሩን፡ “ቤተክርስትያን ኣብ ሃገረ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን እተቕርቦ ክቡር ኣበርክቶ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ኣብ ዓውዲ ግብረ ሰናይ ኣፍልጦ ዝሃበን ኮይኑ ስዒቡ ብዛዕባ ሓባራዊ ረብሓታትን፡ ዛዕባ ስደትን ዞባዊ ኩነታትን ከምኡ እውን “ሓባራዊ ረብሓ ህዝቢ ዶሚኒካን ንምድንፋዕ ሓባራዊ ተወፋይነት ምሕዳስን” ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን ምይይት ምክያዱ ኣፍሊጡ።

28 May 2024, 16:04