ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ንወርሒ ግንቦት፥ ንሕንጸት ሰብ ውፉይ ህይወት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወርሒ ግንቦት 2024 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳቦም ወግዓዊ ከም ዝገበሩን እዚ ድማ ንሕንጸት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተመሃሮ ሰብ ውፉይ ህይወትን ዕላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ብጸጋን ብጸሎትን ብማሕበራዊ ህይወትን ብናይ ወንጌል ምስክርነትን ቀጻሊ ምዕባለ ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ህይወት የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ወርሒ ግንቦት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ንሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ከምኡ'ውን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሰብ ውፉይ ህይወትን ህንጸት” ክንጽሊ ይዕድሙ። ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ “ልክዕ ከምቲ ኣልማዝ ኣብ ሓመድ” ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ብኹሉ ሸነኽ ክጸርን ጽባቔዑ ክስትውዓልን ክስራሕን ክቕረጽን ከም ዘለዎ ብምዝኽኻር፥ "ንፉዕ ካህን፡ ገዳማውን ገዳማዊት ድንግል ኣባል ሰብ ውፉይ ህይወት ወይ መነኮስ ልዕሊ ኩሉ ሰብኣይ ወይ ጓለ ለንስተይቲ ብጸጋ እግዚብሔር ዝተቐረጸ ክኸውን ኣለዎ" እንክብሉ ይሕብሩ። እዚኦም ናይ ገዛእ ርእሶም ድሩትነት ዝፈልጡን "ናይ ጸሎት፡ ናይ ውፉይ ምስክርነት ወንጌል ህይወት ክመርሑ" ፍቓደይናታት ዝኾኑ ሰባት እዮም።

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ንማሕበር ዓለምለኻዊ መርበብ ንናይ ር.ሊ.ጳጳሳት ጸሎት ብሓላፍነት ኣብ ዝሃብዎ መልእኽቶም፡ ካብ ናይ ሰኣልያን ወይ ተመካርያን ህይወት ጀሚሮም ዘካይድዎ ምድላዋት ምስ ህይወት ካልኦት ሰባት ብቐጥታ ብምርኻብ ብውህደት ክምዕብል ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ድማ "ኣገዳሲ እዩ" እክብል ወሲኾም ይገልጹ።

ሕንጸት ኣብ ሓደ ፍሉይ ህሞት ብዝፍጸም መብጽዓን ዓብይ መሓላን ማዕርገ ክህነት ዝውዳእ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ህይወት ዝቕጽል ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፣ እቲ ቀጻሊ ሕንጸት ነቲ ሰብ ብኣእምሮኣዊ፣ ብሰብኣዊ፣ ብስምዒትን ብመንፈሳዊ መዳይን ስሙርን ውሁድን ዝገብሮ እዮ።”

እቲ መደብ ህንጸትን ምድላዋትን ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ንምንባር ብዝድግፍ ኣገባብ ድማ ይቕጽል። "ማሕበራዊ ህይወት ንህይወት ኣዝዩ ዘሀብትም እዩ፡ ዋላ'ኳ ሓድሓደ ግዜ ማሕበራዊ ህይወት ከቢድ ዝኾነሉ ግዜ እውን እንተሃለው።”

ቅዱሰንቶም ኣስዕብ ኣቢሎም፥ "ብሓባር ምንባር ምስ ማሕበረሰብ ምንባር ሓደ ኣይኰነን" ምስ በሉ፥

ኣብ መወዳእታ "ሰብኡትን ኣንስትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ብሰብኣውን ጕስነትን መንፈሳውን ማሕበራውን ህይወት ኣቢሎም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጉዕዞ ጸዋዕታ እናዓበዩ ክኸዱን እሙናት መሰኻኽር ወንጌል ምንቲ ክዀኑ" ምእታኦም ክጽለ ይዕድሙ።

02 May 2024, 09:01