ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ‘ናይ ልቢ ጥበብ ኣይንስሓት!’ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ‘ናይ ልቢ ጥበብ ኣይንስሓት!’ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ‘ናይ ልቢ ጥበብ ኣይንስሓት!’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቆዑ ኣብታ ዕለት እቲኣ መበል 58 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ መራኸቢ ብዙሓን ንሰብኣውነት ሓቀይና ሰብኣዊ ርክብ ንምምዕባል ዝድግፍ ክኸውን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 12 ግንቦት መበል 58 ዓለም ለኸ መዓልቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት ኣብዛ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እናሰፈሐ ኣብ ዝኸደላ ዓለም፥ “ናይ ልቢ ጥበብ” ፈጺምና ከይንስሕት ይላበዉ።

ቤተ ክርስቲያን በዓለ ዕርገት ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዕለትሉ ሰንበት ዕለት 12 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ “ናይ ልቢ ጥበብ ብምሕዋይ ጥራይ ኢና ንጠለባት ዘመንና ክንትርጉሞን ነቲ ናብ ምሉእ ሰብኣዊ ርክብ ዝወስድ መንገዲ ዳግማይ ክንረኽቦን እንኽእል” ከም ዝበሉን ቃላት ቅዱስነቶም ነቲ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ጥበብ ልብን: ናብ ምሉእ ሰብኣዊ ርክብ” ብዝብል ኣርእስቲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምኽንያት ኣቐዲሞም ዕለት 24 ጥሪ 224 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎመልእኽቲ -  Message ዘቃልሕ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱሰንቶም ንኹሎም ኣብ ዓውዲ መራኸቢታት ንዝሰርሑ ድማ ስለ ኣገልግሎቶም ከም ዘመስገንዎም ኣፍሊጡ።

መዓልቲ ኣዴታት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ግንቦት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝኽበር መዓልቲ ኣዴታት ዘኪሮም፥ “ንኹለን ኣዴታት ብሞሳ ንሕሰብ፡ ስለተን ናብ መንግስተ ሰማይ ዝኸዳ ኣዴታት ድማ ንጸልይ” ቢሎም ንኹለን ንኣዴታት ንዑቕባ ቅድስቲ ማርያም ሰማያዊት ኣዴና ሕድሪ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 May 2024, 17:07