ር. ሊ. ጳ.፡ ' ብሰንኪ ግዚያዊ ስስዐ ዝተዓግተ ናብ ተጻዋርነት ክሊማ ዝመርሕ መገዲ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ስነ-ፍልጠትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ጳጳሳዊ ተቕዋማት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከንቲባታትን ኣመሓደርትን ክኢላታትን ዘሳትፍ "ካብ ቅልውላው ኩነታት ኣየር ኽሳዕ ተጻዋርነት ኣከባቢያዊ ኩነታት " ዝብል ርእሰ ነገር ንምዝታይ ዘሳትፍ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዋዕላ የካይዱ ኣለዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 16 ግንቦት ኣብ ካልአይ መዓልቲ ናይቲ ኣኼባ ምስቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለዉ ተጋባእቲ ተራኺቦም መደረ ኣቅረቡሎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ ብዛዕባ ምዝባዕ ዅነታት ኣየር እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ዚገልጽ ሓበሬታ "ንሰባትን ንተፈጥሮን ንምዕቋብ" ህጹጽ ስጕምቲ ኺውሰዱ ኸም ዘለዎም ብምግላጽ ጓሂኦም ገለጹ።
እተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ብቐጥታ ብሳዕቤናት ምዝባዕ ዅነታት ኣየር ኪሳቐያ ኸለዋ ነቶም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ፖለቲካውያን መራሕቲ "ንባህሊ ህይወት ወይ ንባህሊ ሞት ኢና እንዓዪ ዘለና" ክብሉ ሓተትዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እተን ሃብታማት ዝኾና ሃገራት፣ ኣስታት 1 ቢልዮን ህዝቢ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ንምቐት ዝዓግት ዘሎ ብከላ የፍርያ ኣለዋ" በሉ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ እቶም 3 ቢልዮን ዝደኸዩ ሰባት ካብ 10% ዝውሕድ ብከላ ይገብሩ፣ እንተዀነ ግን በቲ 75 ሚእታዊት ናይቲ ዘስዓቦ ጕድኣት ይሳቐዩ ኣለዉ።"
ካብ ግዳያት ዝባዕ ኩነታት ኣየር ናብ ቀለስቲ ለውጢ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደረኦም ምብራስ ኣከባቢ "ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝፍጸም በደልን" ከምኡ ውን ንዅሎም ሰባት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ "መዋቕራዊ ሓጢኣትን" ምዃኑ ኣዘኻኸሩ።
ከምዚ ድማ በሉ - "ለውጢ ዅነታት ኣየር ንምብራስ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ምብልሻውን ምምሽማሽ ን ኣከባብን፣ ዓለምለኻዊ ግጭታት፣ ሕጽረት ምግቢ ከምኡ ውን ንኽብሪ እቶም ብእኣኡ እተጸልዉ ህዝብታት ዘስግእ ስርዓታዊ ብድሆታት የጋጥመና አሎ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ እዚ ጕዳያት እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ድኻታት ብፍላይ ከኣ ነቶም መጠኑ ዝሓለፈ ጾር ዝጾሩ ኣንስትን ቈልዑን ንምሕላው ብህጹጽን ብሓባርን ክለዓል ኣለዎ ።
እንተዀነ ግን እዘን ደቂ ኣንስትዮ እዚኣተን ግዳያት ለውጢ ዅነታት ኣየር ጥራይ ዘይኰናስ "ተጻዋርነትን ልምምድን ንምግባር ሓያል ዓቅሚ" ከም ዘለወን ገለጹ።
ምስ ስስዐን ግዚያውያነትን ዚግበር ቃልሲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ነቶም ንምዝባዕ ኩነታት ኣየር እተቓልዑ ንምዕቋብ ዚግበር ስጕምትታት ዚዓናቕፍ ዘሎ ዓለምለኻውን ሃገራውን ፖለቲካ ኣወግድዎ ክብሉ ተማሕጸኑ።
ከምዚ ድማ በሉ - "ስርዓት ዝመልኦ ምምሕያሽ በቲ ብከላ ኢንዱስትሪታት ግዚያዊ ረብሓታት ንምርካብ ዝግበር ስስዐ ዝመልኦ ጻዕሪ ከምኡውን ብሰንኪ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ምዝርጋሕ ይተዓናቐፍ ኣሎ፣ እዚ ድማ ምድንጋራት ንምፍጣርን ነቲ ኣብ ኣንፈት ለውጢ ንምግባር ዝስራሕ ዘሎ ሓባራዊ ጻዕርታት ክዐናቕፍ ይርከብ ኣሎ።"
ብዘንኪ ብከላ ሃዋህው ማሕበረሰባት ይበታተኑ ኸም ዘለዉ ስድራ ቤታት ከኣ ብሓይሊ ይበታተኑ ኸም ዘለዉ ከምኡ ውን ኣብ ዓዓመት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ከም ዚሞቱ ገለጹ ።
ኣስታት 3.5 ቢልዮን ዚዀኑ ሰባት ንለውጢ ዅነታት ኣየር እተቓልዑ ስለ ዝዀኑ ኣብቲ "ተስፋ ዜቝርጽ ጕዕዞ" ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትው ኣለዉ።
ፖለቲካዊ ለውጢ ንኽህሉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ነዚ ቕልውላው እዚ መልሲ ንምሃብ ነዞም ኣባላት ናይዚ ዋዕላ ዘቕረብዎ ልባዊ ምሕጽንታ ድምጾም ክብ ብምባል ተዛረቡ።
ምሳታቶም ኰይኖም ድማ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ "ሓፈሻዊ ምቅርራብን ቈራጽ ንጥፈታትን" ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ዚቕጽል 25 ዓመት ዚርአ መጠን ምውሳኽ ሙቐት ብኽልተ ሚእታዊት ብምቕናስ "ዓለምለኻዊ ምውሳኽ ሙቐት ክቕለስ" ኸም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ።
ኣብ መወዳእታ ነቶም ፖሊሲ ዜውጽኡ ሰባት ነቲ ኣዝዩ ብዙሕ መትጠን ዘለዎ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ካብ ሃዋህው ንምውጋድ፣ ነቲ ተፈጥሮ ብባህሪኡ ዘለዎ ናይ ምሕዳስ ሓይሊ ኺምዝምዝዎ ተማሕጸንዎም። ብፍላይ ብዛዕባ ሓውሲ ዞባ ኣማዞንን ኮንጎን ጠሊ ዘለዎ ቦግ ማንግሮቭ ውቅያኖሳት ኣኻውሕ መርጀን ሕርሻታት ከምኡውን ናይ በረድ ከባቢታት ጠቒሶም።
ከምዚ ድማ በሉ - "እዚ ምሉእ ኣተሓሳስባ እዚ ንለውጢ ኩነታት ኣየር ክቃለሶ ይኽእል ኢዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ህይወት ዘጽንዕ ስርዓተ ኣከባቢ ብምዅስኳስ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን፣ ዘይማዕርነትን ዘስዓቦ ዕጽፊ ቕልውላው ክዋጽኣሉ ዝኽእሉ ጥበብ ክመሃዝ ኣለዎ።" በሉ።
ህጹጽነት ርሕራሐ ቈራጽነት
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንድሌት እተን ብምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር እተጸልዋ ዓለምለኻዊ ግዝኣታት ደቡብን ደሴታትን ንምምሕያሽ ምትሕብባርን ዓለምለኻዊ ሓድነትን ከምኡ ውን "ሓድሽ ቁጠባዎ ህንጸትን" ንምፍጣር ጻዕርታት ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ።