ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሞት ርእሰ ብሔር ኢራን ራይሲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሞት ርእሰ ብሔር ኢራን ራይሲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ   (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሞት ርእሰ ብሔር ኢራን ራይሲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሞት ርእሰ ብሔር ራይሲን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሚር ዓብደላህያንን ንላዕለዋይ መራሒ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዓቢ ኣያቶላህ ሰይድ ዓሊ ሑሴኒ ካሜኒ ናይ ሓዘን መግለጺ መልኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሞት ርእሰ ብሔር ኢራን ኢብራሂም ራይሲ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሑሴን ኣሚር - ኣብዶላህያንን ኩሎም ዕለት 19 ግንቦት ብዘጋጠመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ዝሞቱን ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ቅዱስነቶም "ነፍስ ዝዓረፉ ንምሕረት እቲ ልዑል ኣምላኽ ሕድሪ ቢሎም፡ ነቶም ፍቱዋቶም ዝሰኣኑ ሕዙናት ብፍላይ ድማ ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት ኣብ ጸሎቶም ህልዋን ምዃኖም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዓቢ ኣያቶላህ ሰይድ ዓሊ ሑሴኒ ካሜነይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ገሊጾም፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ንመላእ ህብዚ ኢራን መንፈሳዊ ቅርበቶም እውን ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ብሔር ራይሲን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ምስ ናይ ጎረቤት ሃገር ኣዘርበጃን ርእሰ ብሔር ኢልሃም ዓሊየቭ ተራኺቦም ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ እንከለዉ እታ ዝጓዕዙላ ዝነበረት ሄሊኮተር ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣኽራናዊ ከባቢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ማዕከናት ዜና ይሕብራ።

21 May 2024, 16:18