ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዓስከር ስደተይናታት ደሞክራሲያዊት ኮንጎ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዓስከር ስደተይናታት ደሞክራሲያዊት ኮንጎ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዓስከር ስደተይናታት ደሞክራሲያዊት ኮንጎ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተይናታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን ብምግላጽ መራሕቲ ፖለቲካ "ኣብ ኣገልግሎት ሰላምን ሕውነትን" ክጽመዱ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተይናታት ሙጉንጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዝተሃስዩ ሰባት ቅርበቶም ገሊጾም፡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ሰላምን ሕውነትን ክተግሁን ሰላምን ዕርቅን ከተባብዑን ዘቕረብዎ ጻውዒት ዕለት 3 ግንቦት ኣብ ሓደ ዞባ ምብራቓዊ ኮንጎ ከተማ ጎማ ኣብ ዘሎ መዓስከር ተመዛበልቲ ብዘጋጠመ ፍንጀራ መብዛሕቲኦም ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 9 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ምስ ተሓበሩ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልኽቲ ተለግራም ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ጎንጎ መንግስቲ ወሃቢ ቃል ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ተሓታቲ እቲ ብኤም23 ዝፍለጥ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ እዩ ከም ዝበለን ብውሑዱ ካልኦት 20 ሰባት ከም ዝቖስሉ ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ ናይ ሰበኻ ጎማ ጳጳስ ዊሎ ኑጉምቢ ንገገለ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሓፊ ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘም መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ "ኣብ መዓስከር ስደተይናታታት ሙጉንጋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ" ሓዘን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም፡ ቅርበቶም ብምርግጋጽ፥ "ነቶም ዝተጎድኡን ሓዘንተይናታት ኣባይቲ ስድራን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ንኹሎም እቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ድማ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ” ክረኽቡ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፥ "ዝኾነ ይኹን ተግባር ዓመጽ መጋበርያ ግጭት እምበር መፍትሒ ኣይኮነን - ቢሎም - ኩሉ ግዜ ቀዳሞት ግዳያት ዓመጽ ድኻታት እያቶም፡ ዓመጽ ይኣክል፡ ህዝቢ ኮንጎ ድማ ተስፋ ህያው ክገብር ዓዲሞም ንፖለቲካዊ ተዋሳእቲ "ኣብ ኣገልግሎት ሰላምን ሕውነትን ብጽኑዕ ክሰርሑ" ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

09 May 2024, 16:54