ር.ሊ.ጳ. ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ሓደጋ ምድርማስ መሬት ዘስዓቦ ሞት ዘሕደረሎም ሓዘን ይገልጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ እቲ ኣብ ሃገረ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ዘጋጠመ ንብምልእታ ሓንቲ ቝሸት ዝቐበረን መድርማስ መሬት ዘስዓቦ ሞት ኣሽሓት ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን ገሊጾም ምእንቲም ምዉታትን ስድራ ቤት ምዉታትን ድማ ጸሎቶም ከምዘረጋገጹን ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተንብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ህዝቢ ቅርበትን ሓገዝን ማሕበረሰብ ዓለም ከይፍለዮ ከም ተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንዝተጎድኡን ኣብ ሓዘን ንዝርከቡን ብፍላይ ነቶም ግዳያቶ ዝኾኑ ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾ፡ ንብዙሓት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ዘይተረኸበ ንምድሓን ንዝተዋፈሩ ናይ ሕጹጽ ኣድሕን ህይወት ሰራሕተይናታት ንበርገሳዊ ሰበ ስልጣን ህጹጽ ረድኤት ጻዕርታቶም ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉ እዋን ምትብባዕ ካብ እግዚኣብሔር ክረኽቡ ተማሕጺኖም ንኹሎም መለኮታዊ በረኸትን ምጽንናዕን ሓይልን ከም እተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።
ዝወረደ መዓት
እቲ ምድርማስ መሬት ዕለት 19 ግንቦን ኣብ ኣውራጃ እንጋ ዘጋጠመ ኮይኑ ሰፊሕ ዕንወት እውን ከም ዘስዓበን ብመሰረት ሃገራዊ ማእከል ሓደጋ ፓፑዋ ነው ጊኒ፥ ልዕሊ 2000 ሰባት ብህይወት ተቐቢሮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ስግኣት ከም ዘሎን ኣብ ገለ ቦታታት ክሳብ 10 ሜትሮ ዝዓሞቐ ፍርስራስን ሕጽረት ግቡእ መሳርሒታትን ብዘለዎ ኣገባብ ዝካየድ ዘሎ በዳሂ ኩነታት ስርሒታት ኣድሕን ህይወት ከም ዘመላኽቶ ብልክዕ ቁጽሪ ጉድኣት ክፍለጥ ከም ዘይከኣልን ክሳብ ሕጂ ናይ ውሑድ ሰባት ሬሳታት ከምዝተረኽበ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ ድማ ልዕሊ 670 ሰባት ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠን ጽልዋ ናይቲ ሓደጋ ምድርማስ መሬት ሓደ ኪሎ ሜተር ዝርጋሐ ዘለዎ ከም ዝኾነን፡ ነታ ዓዲ ብምልእታ ከም ዝቐበራን ቅድሚ እቲ ሓደጋ ኣስታት 3,800 ሰባት ኣብቲ ዝተጎድአ ከባቢ ይነብሩ ከም ዝነበረን ሃገራዊ ማእከል ሓደጋ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ሉሰተ ላሶ ማና፥ እቲ ዝወረደ መጉዳእቲ "ሰፊሕ" ክብል ብምግላጽ፡ "ኣብ ቁጠባዊ መስመር ህይወት እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ” ከም ዘለዎ ከመላኽት እንከሎ፥ መራሔ መግንስቲ ጄምስ ማራፐ በቲ ዝውረደ ሞትን ማሕሰይትን ዝተሰምዖ ሓዘብ ብምግላጽ ንሓይሊ ምክልኻል ሃገርን ትካላት ህጹጽ ረድኤትን ናብቲ ካብ ርእሰ ከተማ ፖርት ሞረስቢ ኣስታት 600 ኪሎ ሜተር ንሰሜናዊ ምዕራብ ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ክዋፈሩ ከም ዝገበረን ናይታ ሃገር ምንጭታት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ እቲ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዘጋጠሞ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጽበ ምህላዉ ኣፍሊጡ።