ድለ

ፍራንቸስኮ፡ ኲናት ንደቂ ሰባት ስዕረትን ምትላልን እዩ ፍራንቸስኮ፡ ኲናት ንደቂ ሰባት ስዕረትን ምትላልን እዩ  (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ፡ ኲናት ንደቂ ሰባት ስዕረትን ምትላልን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንኣስታት 350 ተጋባእያን ካልኣይ ዓለም ለኸ ዓውደ ኣኼባ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኣብ ዝተሰብረት ዓለም ሰብኣዊ ሕውነት ንምድንፋዕ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክጸንዑ ኣተባቢዖም፣ ውግእ ስዕረት ምዃኑን ከምኡ’ውን ምትላል ምዃኑን ደጊሞም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተሳተፍቲ ናይቲ ብማሕበር ኩላትና ኣሕዋት ዝተዳለወ ካልኣይ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 11 ግንቦት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብምርኻብ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ትሕቲ BeHuman - ሰብ ኩን ብዝብል መርሕ ቃል ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝመጹ ናይ ስነ ፍልጠት፡ ስነ-ቑጠባ ሊቃውንቲ ሰብ ትካላትን ስፖርተይናታት፡ ከምኡ'ውን ተራ ዜጋታት ኣብ ሮማን ቫቲካንን ተራኺቦም ንኽልተ መዓልቲ ከም ዝዘተዩን ካብ መትከል ሕውነት ዝተደፋፍኡ ንኲናትን ድኽነትን ኣማራጺ ሓሳብ ከም ዘቕረቡን እቲ ኣኼባ ዕለት 10 መጋቢት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘስምዕዎ መደረ ከም ዘበገሰ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ርህራሄ ንሰላም መፍትሕ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ንውግእ ‘ኣይፋል’ ንሰላም ድማ ‘እወ’ ብምባል፡ “ነቲ ዝጥርንፈናን ከም ኣሕዋት ክንላለ ዝገብረና ሰብኣውነት ኣብ... ናይ ነፍሲ ወከፍና ባህላዊ ፍልልያት ሓባራዊ ህያብ” ምዃኑ ክምስክሩ ኣተባቢዖም፥

"ኣብ ሓንቲ ብሓዊ እትነድድ ዘላ መሬት ነቲ ሓድነት ከም ዚህልወናን ንኣሕዋት ከም እነለልዮምን ዚገብረናን ሰብኣውነት ብምምስካር ንውግእ "ኣይፋል" ከምኡውን "እወ" ንሰላም ንኽትብሉ ኢኹም ተኣኪብኩም።

ቢሎም፡ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ 1964 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ስልማት ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት ኣብ ዘስመዖ መደረ፥ “ከም ኣዕዋፍ ምንፋር፡ ከም ዓሳ ምሕንባስ ተማሂርና ኢና፡ ከም ኣሕዋት ብሓባር ምንባር ግን ቀሊል ስነ-ጥበብ ክነሱ ገና ኣይተማሃርናን” እንክብል ዘስመረሉ ሓሳብ ጠቒሶም፣ ደጊሞም ነቲ ኣብ ምሳሌ ኢየሱስ ተዘንትዩ ዘሎ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ርህራሄ፣ “ናይ ብሓቂ ሰብኣዊ ዝኾነ ናይ ሓባር ምንባር ስነ-ጥበብ” ንምምላስ መፍትሕ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ሳምራውን እቲ ኣብ ጽርግያ ተደርቢዩ ዝነበረ ውጉእ ኣይሁዳውን፡ “እተፈላለየን ተጋራጫውን ዛንታታት ዘለዎም ግን እቲ ሓደ በቲ ዝስምዖ ርህራሄ ክምራሕ ኣብ ዝፈቐደሉ ህሞት ሓው ናይቲ ካልእ ይኸውን” እንክብሉ የስተብህሉ።

ብጽሞና ሰላምን ሕውነትን ምዝራእ ቀጽሉ

ቅዱስነቶም ነቶም ተጋባእያን “ብስቕታ ምዝራእ” ዝብል ኣገባብ ስርሖም ንቕድሚት ክስጉሙ ኣተባቢዖም።

“ተስፋ ከይትቖርጹ እዕድመኩም፣ ከመይሲ 'ጽንዓትን ትብዓትን ዝመልኦ ዘተ ነቲ ግጭትን ውግእን ሓበሬታ ገይሩ ኣየቕርቦን እዩ። ንዓለም ብጥበብ ካብቲ እንርድኦ ንላዕሊ ዝሓሸት ክትከውን ይሕግዝ’”

ብፍላይ ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ሰላም ኖበል ተሰለምቲ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ፈላማይ ኣኼባኦም ዝኸተውምዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣቢሎም፥ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ንኽትግበር ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ብምምስጋን፡ ነቲ ዝዘርግሕዎ ሓድሽ "ናይ ኣዋጅ ሰነድ ሰብኣውነት" ድማ ክብሪ ሂቦም፥ ኣብዚ ናይ ዘይርጉጽነትን ፍርሕን እዋን “ሰዋስው” ምርጫታትን ባህርያትን ሕውነታዊ ሓባራዊ ህይወት ንምህናጽ” ዝኣመተ ምዃኑ የመላኽቱ።

ነዚ መንፈሳውነት ሕውነት ከማዕብልዎን ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ስጉምትታቶም ኣቢሎም ብዙሓ-ጎናውነት ከስፋሑ ኣተሓሳሲቦም፣ ከም ብሓድሽ ድማ "ውግእ ስዕረት ኢዩ" ከምኡውን እቲ ኣብ ፍርሂ እተመርኰሰ ኣህጉራዊ ድሕንነት ዝብል ሓሳብ ምትላል እዩ እንክብሉ ከም ብሓድሽ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፖለቲካዊ ሰላም ናይ ልቢ ሰላም የድልዮ

"ዘላቒ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ሓባራዊ ሰብኣውነት ንነብስና ኣፍልጦ ምሃብን ሕውነት ኣብ ማእከል ህይወት ህዝብታት ምቕማጥን ናብ ዝብል መርትዖ ክንምለስ ኣለና . . . በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ ኢና ንሰብኣዊ ስድራቤት መጻኢ ክህብ ዝኽእል ኣገባብ ሓባራዊ ህይወት ከነማዕብል እንኽእል።”

“ፖለቲካዊ ሰላም ሰባት ህይወት ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዓይነት ሞት ከም እትስዕር ኣብ ዝብል እምነት ንኽራኸቡ ናይ ልቢ ሰላም የድልዮ

ካብ ቆልዑ ንመሃር

ዝበሉ ቅዱሰንቶም ሎሚ ምሸት ምስ ሕጻናት ዝጽንበርዎ ክቢ ጠረጴዛ ብምጥቃስ ካልኣይ ቀንዲ መደብ ናይቲ ኣኼባ ብምዝካር ንተሳተፍቲ ካብ ህጻናት ክመሃሩ ብምዕዳም “ከምቲ ወንጌል ብዘቕርቦ ትምህርቲ ንርኣዮም፣ ካብኦም ንመሃር . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 May 2024, 16:56