ድለ

2024.05.20 Delegazione della Loyola University, di Chicago 2024.05.20 Delegazione della Loyola University, di Chicago  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንሰራሕተኛታት መንበረ ጥበብ ሎዮላ - 'ትጉሃት ሓለምቲ' ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንተወከልቲ መንበረ ጥበብ ሎዮላ ቺካጎ "ትጉሃት ሓለምቲ" ክዀኑ ብምምሕጻን ፍሉይ ዝኾነ ምኽሪ ሃብዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 20 ግንቦት ምስቶም ካብ መንበረ ጥበብ ሎዮላ ዝመጹ ተወከልቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን "ኣብ ህይወት ንቕድሚት ንምስጓም ሓለምቲ ክንከውን የድልየና ኢዩ" በሉ። "ናይ ምሕላም ክእለቱ ዘጥፍአ ሰብ መሃዚ ክኸውን ኣይኽእልን፣ ድርሰት ክህልዎ ውን ኣይኽእልን ከምኡ ድማ ህይወት ብዘይ ድርሰት አይሰርሕን ኢዩ።"

መንበረ ጥበብ ሎዮላ ኣብ ከተማ ቺካጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢዩ ዝርከብ፣ በቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣባሎም ዝኾኑ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝመሓደር ኢዩ ። ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ኣባላት ቦርድ ኣማኸርቲ ናይዚ መንበረ ጥበብ ናብቲ ምስ ቅዱስ ኢግናጽዩስ ብዓል ሎዮላ ዚተሓሓዝ ቦታታት ንግደት ከካይዱ ጸኒሖም ኣለዉ ። እቲ ኣብ ባስክ እተወልደ ኢግናጽዩስ ዝስሙ ካብ ልዑላዊ ስድራቤት እተወልደ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን መስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን እዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም "ወትሩ ነቲ ንግደት ንምግባር ዝካየድ ጉዕዞ  ህያው ጌርካ ዓቅቦ" በሉ።

ቀንዲ ሰራውር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ናብ ንቕድሚት ገጽኩም ምእንቲ ኽትግስግሱ ወትሩ ናብ ሰራውርኩም ክትምለሱ ኣሎኩም " በሉኒ ። "ብዘይ ሰራውር ንቕድሚት ክትግስግስ ኣይትኽእልን ኢኻ ። ሱር ናይዚ  ማሕበር እዚ ኣብ ተመክሮ ናይቲ ወትሩ ንኣምላኽ ቀዳምነት ዝሃበን ወትሩ ፍቓድ ኣምላኽ ዝደልን ዝነበረ ቅዱስ ኢግናጽዩስ ናይቲ መስራቲኹም እተመርኰሰ ኢዩ።  እዚ ኸኣ ንኣገልግሎት ብትግሃት ከም ዚጽዕር ገበሮ ።   ኣብ አገልግሎት ድማ ንቕድሚት ገስግሱ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን ኣብዛ ምክፍፋልን ግጭትን ዘለዋ ዓለም "ናይ ተስፋ መሰኻኽር" ክዀኑ ኣተባብዕዎም። መናብርተ ጥበብ ንዓለም ናይ ምምሕያሽ ተኽእሎ ኸም ዘለዎም መጠን ኣብ እተሓላለኸ እዋናት ከኣ "ኣገዳሲ ግደ" ኸም ዘለዎም ገለጹ።

"ንቁሕ ኣእምሮ ናይ ምስትምሃር ተልእኾ ጥራይ ዘይኰነስ ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘኽብር ርሕሩሕ ልብን ሕልናን ናይ ምዅስኳስ ሓላፍነት እውን ኣሎኩም ። ትምህርቲ ብሰለስተ ደረጃ እዩ ዚግበር ፣ እዚ ኸኣ ርእስን ልብን ኣእዳውን እዩ ዘሳትፍ ። ብዛዕባ እቲ ዝስምዓካን እትገብሮም ነገራትን ሕሰብ፣ እቲ እትገብሮን እትሓስቦን ድማ ይሰምዓካ፣ ነቲ እትሓስቦን ዝስምዓካን ድማ ግበር።" በሉ።

ትምህርቲ ምምሕልላፍ ፍልጠት ጥራይ ኣይኰነን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ትምህርቲ ምምሕልላፍ ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነስ ዕርቅን ፍትሕን ኬንጸባርቑ ዚኽእሉ ሰባት ብዛዕባ ምኹስኳስ ኢዩ ።

ኣእምሮን ልብን ኣእዳውን በብውልቂ ኺዓቢ ኣይክእልን እዩ፣ ብሓንሳእ ጥራይ ከኣ እዮም ምስቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘሎ ጋህድን ድሌትን ኪሰማምዑ ዚኽእሉ።"

ሎሚ ዓለም ብኽእለቶም ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ከም ዘድልይዋ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ገለጹ ። ሽዑ ጥራይ እያ ዓለም "ሰላም ክትረክብ እትኽእል፣" ድማ በሊ።

ኣድማስ ተስፋ

"ብዘይ ተስፋ ሓደ’ኳ ብህይወት ኪነብር ኣይክእልን እዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ስርዓት ዘጋጠም ዘሎ ቕልውላው ተኽእሎታት መጻኢ ምህላው ዝብል ሓሳብ ዝጐድል ዘሎ እዩ ዚመስል ።  ብዘይ ተስፋ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና ። ነታ ኣብ ገምገም ባሕሪ መልህቕ ዝዀነት ንገመዳ ኸኣ ጠቢቕና እንሕዛ ተስፋ ኣይንረስዓያ። ተስፋ ኸቶ ኣየሕፍረኩም እዩ!" ኢዩ ክብሉ ድማ መደረኦም ዛዘሙ።

21 May 2024, 15:39