ር.ሊ.ጳ. ምስ ስነጥበባውያንን ወለንተይናታትን ኣዳለውትን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ተራኺቦም
ዕለት 27 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ናይቲ ካብ ዕለት 25 – 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ናይ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ዝተሳተፉ ስነ ጥበባውያንን ወለንተይናታትን ኣዳለውትን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ጠቒሱ ይሕብር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጹ ሕጻናት ሮማ ኣብ ዝርከብ ኦሎምፒክ ናይ ስፖርት ሜዳን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዙሪያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክርከቡ ዘብቅዐ ካብ ዕለት 25 – 26 ግንቦት ዝተኻየደ ቀዳማይ ሕታም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ስዒቡ ቅዱሰንቶም ነቲ መደብ ዘዳለዉ ኩሎም ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናንን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብመሰረት መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር፥ ዕለት 27 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ናይቲ መደብ ዋና ኣተሓባበሪ ኣባ ኤንዞ ፍርቱናቶን ምኽትል ዋና ሓተሓባበሪ ኣልዶ ካኞሊን ከምኡ እውን ኣብቲ ርክብ ቅድም ኣቢሎም ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃል ሰላምታ ዘስምዑ ናይ ባህልን ትምህርግን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ጆሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ ከም ዝሓበሩን፥ ቅዱስነቶም ንኹሎም ኣመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ እውን ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
28 May 2024, 16:00