ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ውህደት ኣብ ሕጋዊ ብዙሕነት ምድላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ውህደት ኣብ ሕጋዊ ብዙሕነት ምድላይ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ውህደት ኣብ ሕጋዊ ብዙሕነት ምድላይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንሜጥሮጶሊታ ኣጋታንጌሎስ ዋና ኣመሓዳሪ ሓዋርያዊት ዲያቆናዊት ቤተ ክርስቲያን ግሪኽን ልኡካን ተቕዋም ቲይሎጊያ ኣተንስን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽን ካቶሊካዊ ሽማግለ ባህላዊ ምትሕብባርን ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝገበርዎ ምትሕብባር ከም ዘመስገኑን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"እቶም ንዘመናት ዝኣክል ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኖም ንኸይተኣማመኑ ዝዓገቶም በቲ ኣብ እምነት እተመስረተ ተስፋ ዝምርኰሱ መንእሰያት ኣቢሎም ነቲ ማእሰር ተጻራርነትን ንዘይምርድዳእ ከምኡውን ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህሪ ከፍርሱ ከም ዝኽእሉ" ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሜጥሮጶሊታ ኣጋታንጌሎስ ዋና ኣመሓዳሪ ሓዋርያዊት ዲያቆናዊት ናይ ግሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ኣተንስ ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ምትሕብባር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዋና ኣመሓዳሪ ናይ ግሪኽ ሓዋርያዊት ዲይቆናዊት ቤት ክርስቲያንን ካብ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ኣቴንስ ዝመጸ ልኡካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ ሓዋርያዊት ዲያቆናዊት ቤተ ክርስቲያን ግሪኽን ካቶሊካዊ ሽማግለ ባህላዊ ምትሕብባር ክፍሊ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንዝገብርዎ ምትሕብባር ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ሓሳቦም “ብሕውነታዊ ፍቕሪ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ኣቴንስን መላእ ግሪኽን ጻድቕነቶም ሄሮኖምስ” ኣቕኒዖም፥ “ዓሚቝ እምነት ዘለዎም ለባምን ሕያዋይን ጓሳ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ሊቀ ጳጳሳት ኣተንስን መላእ ግሪኽን ጻድቕነቶም ብሓባር ምስ ሓዋርያዊት ዲያቆናዊት ቤተ ክርስቲያን ግሪኽን ካቶሊካዊት ኮሚተ ባህላዊ ምትሕብባርን ብሓባር ንዘማዕብልዎ ንጥፈታት” ዝገብርዎን ደገፍን ዘርእይዎ ቅርበትን ኣመስጊኖም፥ ሓዋርያዊት ዲያቆናዊት ቤተ ክርስቲያን ግሪኽን ካቶሊካዊ ሽማግለ ባህላዊ ምትሕብባርን ኣብ እዋን ቁጠባዊ ቅልውላው ግሪኽን ኣብ እዋን ለበዳ ሕማምን ብሓባር ዝገበርዎ ዝነኣድ ዕዮ ዘኪሮም፡ ከምኡ’ውን በቲ “ባህላዊ፡ ቲዮሎጊያውን ኤቁመናዊ ህንጸት ኣቢሉ ንመጻኢ ወለዶታት ቀዳምነት ንምሃብ ዝወሰዶ ዘሎ ውሳነ” ዘሕደረሎም ሓጎስ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ተስፋ ኣብ መንእሰይ ወለዶ

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም፡ መንእሰያት ወለዶ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያንን “ከም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብብዙሕነት ዝተጠርነፉን ብፍላይ ኣብዛ ብግርጭት ምግምማዕን ዝተበታተነት” ዓለም ንፍቕሪ ክርስቶስ ክምስክሩን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥

“ሕጂ’ውን ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ ቲዮሎጊያዊ ተቕዋም ኣተንስ ንጉጅለ ካቶሊካውያን ተማሃሮ ክትቅበሉ ምዃንኩም ምስ ፈለጥኩ ዓቢይ ሓጎስ ኣሕዲሩለይ” ከም ዝበሉን እቶም ዝተኣከቡ ድማ ኣብ ሕጋዊ ብዙሕነት ነቲ ውህበት ሓድነትን ሕብረትን ስኒትን ዘምጽእ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝጽበዩሉ እዋን ብሓባር ጉዕዞኦምን ክቕጽሉን ክጽልዩን ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

16 May 2024, 16:23