ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ንጥሜት ዓለም ተሓታቲ ልዕሊ ዓቐን ብዝሒ ዘይኮነስ ሃልክነት እዩ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ንጥሜት ዓለም ተሓታቲ ልዕሊ ዓቐን ብዝሒ ዘይኮነስ ሃልክነት እዩ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ንጥሜት ዓለም ተሓታቲ ልዕሊ ዓቐን ብዝሒ ዘይኮነስ ሃልክነት እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ግንቦት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢጣሊያ እናነከየ ዚኸይድ ዘሎ ገምጋም ውልደት ዝመያየጥ ብመንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ሮማ እተወደበ ዓመታዊ ዋዕላ ውልደት ህጻናት ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን እቲ ናይ ለምዘበን ዋዕላ “ምህላው፥ ዝያዳ መንእሰያትን ዝያዳ መጻእን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ራብዓይ ሕታም ሓፈሻዊ ግዝኣታት ኢጣሊያ ኩነታት ውልደት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ውልደት ህጻናት ረቛሒ ዘይምዕሩይነት ምዃኑ ዝገልጽ ክልሰ ሓሳብ፥ "ህይወት ህያብ እምበር ጸገም ኣይኮነን ኣንክብሉ ነጺጎም። እቲ ዓቢይ ጸገም ዕዉርን ስፍሕ ዝበለን ንዋታውነትን ሃልክን እዩ” ቢሎም - ሓደ ናይ ስነ ሕዝቢ ምሁር፡ "ኣጽዋርን መከላኸሊ ጥንሲን ዝያዳ ኣታዊ ዘለዎም ወፍሪ ምዃኑን፡ እቲ ሓደ ንህይወት ይቐትል፡ እቲ ካልኣይ ድማ ህይወት ይዓግት" ዝበሎ ጠቒሶም መንግስታት፡ ምፍሳስ ደም ንምዕጋት ዝያዳ ተወፋይነት ክገብሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕጻናትን ኣህላኽነትን ጥሜት ዓለምን

ፍራንቸስኮ ኣብቲ ጉባኤ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ልዕሊ ዓቐን ብዝሒ ህዝቢ ዘስዕቦ ሓደጋታት ዘጠንቅቑ “መጽናዕትታት ኣይሰኣኑን” እንክብሉ ኣበጊሶም፥ "እዚ ሕጂ ግዜኡ ዝሓለፎ ደቂ ሰብ ከም ጸገም ገይሩ ዝትንትን ሰረተ ሓሳብ ኵሉ ሳዕ የገርመኒ ነይሩ . . . ምኽንያቱ እቲ ጸገም ብዝሒ ህዝቢ ዘይኮነስ እቲ እንኽተሎ ዓይነት ኣገባብ ህይወት እዩ! . . .  ናይቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ብከላን ጥሜትን ጠንቂ ውልደት ቈልዑ ዘይኰነስ "ምርጫታት እቶም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡ ልጓም ዘይብሉ ዕዉር ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ፍቕረ ንዋይ ከምኡውን ሃልካውነትን እዩ . . . እቲ ጸገም ክንደይ ካባና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘለና ዘይኰነስ እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና እንሃንጽ ኣሎና ዝብል እዩ . . . ኣብታ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣውሮጳ ዝተሓታ ውልደት ዘለዋ ኢጣልያ እዋናዊ ገምጋም ዕድመ 47 ዓመት ምዃኑ የመላኽት፡ እታ ሃገር ልክዕ ከም ዝተረፈ ኽፋል ኤውሮጳ "ጽባሕ ዘለዋ ተስፋ በብቝሩብ ትስእን ኣላ እንክብሉ ኣጠንቂቖም፥ "ጥንታዊ ክፍለ ዓለም ብዕድመ ዝደፍአ ኣረጊት ክፍለ ዓለም ይኸውን ኣሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንቕድሚት ዝግስግስ መገድታት

ቅዱስነቶም ነዚ ቕልውላው እዚ ክልተ ፍታሕ ክግበረሉ ሓሳብ እንከቕርቡ፥ እቲ ሓደ መንግስታዊ እቲ ካልኣይ ከኣ ማሕበራዊ መሰረት ዘለዎ ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ "ህጻናት ጽባሕ ንኽዓጽዱ ሎሚ ንምዝራእ ውጽኢታዊ መምርሕታትን፡ ተባዕ፡ ነባሪ ምርጫታት ብህጹጽ የድሊ። እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ወለዶታት ነቲ ሕጋዊ ትምኒቶም ምእንቲ ኺፍጽሙ ካብ ኵሎም መንግስትታት ዝያዳ ተወፋይነት የድሊ . . . ናይ ልግስን ኣብ መንጎ ወለዶታት ናይ ምትሕግጋዝን ባህሊ” ምድንፋዕ ኣገዳሲ እዩ . . . እዚ ድማ “ንልምድን ኣነባብራን ዳግማይ ምሕሳብን . . . ትርፊ ዝኾነ ምሕዳግን” ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ፡ ምእንቲ “ንንኡስ ወለዶ ተስፋ ጽባሕ ንምሃብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ትብዓት

ድሕድሪ እዚ ቅዱሰንቶም ብፍላይ ንመንእሰያት ኣተኩይሮም ብዛዕባ ተስፋ ክዛረቡ እንከለዉ፥ "ንመብዛሕትኹም መጻኢ ዘፍርህ ክመስል ከም ዝኽእል እፈልጥ ኢየ ኣብ መንጎ ምዝባዕ ገምጋም ውልደት ውግእ ለብዒ ከምኡውን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ንተስፋ ህያው ምግባር ቀሊል ከም ዘይኰነ እፈልጥ ኢየ . . . "ግን ተስፋ ኣይትቑረጹ እምነት ይሃልኹም ጽባሕ ዘይከኣል ስለዘይኮነ . . . ብሓባር ክንሃንጾ ኢና።"

ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ዝሃስይ 'ባህላዊ ርእሰ-ቕትለት' ምውጋድ

ምስ በሉ መደረኦም ኣብ ምዝዛም፥ ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘለዎ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣተኲይሮም፥ "ኣብ ጽምዋ ምሕዳግ ኣቦሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ክፍሊ ሕብረተሰብ . . . እዚ ከም ጓሓፋይን ከም ውዳቕ ዝሓብ ባህሊ እዚ ርእሰ ቅትለት እዩ! . . . መጻኢ ብሓባር ብመንእሰያትን ኣረጋውያንን እዩ ዝህነጽ . . .  በጃኹም ብዛዕባ መጠን ውልደት ክንዛረብ እንከሎና፡ ብዛዕባ መጻኢ ኢና እንዛረብ! ብዛዕባ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን እውን ንዛረብ፡ ሕሉፍ ዘይኮኑስ፡ ንመጻኢ ዝሕግዙ እያቶም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ንጥሜት ዓለም ተሓታቲ ልዕሊ ዓቐን ብዝሒ ዘይኮነስ ሃልክነት እዩ!
11 May 2024, 17:20