ድለ

2013.03.14 Papa Francesco firma un documento 2013.03.14 Papa Francesco firma un documento 

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ኣብ ሆስፒታል ፔሩጃ ዝርከቡ ህጻናት ስለ ቅርበቶም አመስገንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ጥዕናዊ ጸጋማት ዘጋተሞም እዋናት ካብቶም ኣብ ቤተ ሕክምና ኢጣልያ ዝእለዩ ዘለዉ ቈልዑ ንዝተቐበልዎ መልእኽቲ መልሲ ለኣኹሎም። ስለቲ ሕያውነት ዝመልኦ ቓላቶምን ጽቡቕ ትምኒቶምን ልባዊ ምስጋና የቕርበሎም፣ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ኽትከናኸኖም ብምምሕጻን፣ ኣብ ጸልማት ሕማም ጩራ ብርሃን ክረኽቡ ድማ ጸለዩሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቤተ ሕክምና ፔሩጃ ኢጣልያ ንዝርከቡ ቘልዑ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣብ ዘጋጠሞም እዋንት ምስ ቅዱስነቶም ስለ ዝገበርዎ ጥቡቅ ርክብ ኣመስገንዎም ።

ብዕለት 12 ሚያዝያ ኻብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ክፍሊ ቤተ ሕክምና ኣብ እተላእከት ደብዳበ፣ ናቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ንዚርከቡ ዝሓመሙ ህጻናት ዝርከቡሉን ክንክን ዝረኽቡሉን ክፍሊ ናይቲ ሕክምና ዝተላእከት ውን ኢያ ዝነበረት። ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ መልእኽቶም ነቲ ኣቐዲሞም እዞም ሕጻናት ናብ ቅዱስነቶም ዝለኣኽዎ ናይ ጽቡቅን ጥዕናን ምንዮት ዝገልጽ መልእኽቲ ይጠቕሱ፡

"ኣጸቢቕና ንርድኣኩም ኢና፣ ሓድሓደ ግዜ መዓልትታትና ኣጸጋምን መከራ ዝመልኦን ኢዩ ዝመስል፣ መወዳእታ ዘይብሉ ውን ኢዩ ዝመስል" ኢሎም ውን ጸሓፉሎም። ኣብ መልእኽቶም እዞም ህጻናት ቤት ትምህርቶም "ኣብ ጸልማት ሕማማቶም ብርሃን ጸሓይ ዘምጽኣሎም " ክንዲ ዝኾነ  ቤት ትምህርቶም ቀስተ-ደመና ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ውን ይጠቕሱ ።

ኣብ እዋን ሕማም ጩራ ብርሃን ርኸቡ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓለፉሎም መልሲ ንዓታቶምን ንወለዶምን ንዅሎም እቶም ዝከናኸንዎምን ዘለዉ ሰባትን ልባዊ ምስጋናኦም ብምግላጽ እዮም ጀሚሮም።

ብዙሕ ብድሆታትን መከራን እናኣጋጠሞም ክነሱ ንቕድሚት ክግስግሱ ብምትብባዕ ወትሩ "ኣብ ጸልማት ሕማም ጩራ ብርሃን ክረኽቡ" ተማሕጸንዎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም እዞም ህጻናት ቤት ትምህርቲ ንምርኻብን ንምምሃርን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰናይ ዝኾነ በዓል ትንሳኤ ከም ዘኽበሩ ምንዮቶም ብምግላጽ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ብምውፋይ ከምኡውን ቡራኬ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምክፋል መልእኽቶም ዛዘሙ ።

15 May 2024, 17:47