ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ጀርመን መዓልቲ ካቶሊካውያን፡ 'ብጸሎትን ዘተን ንሰላም ስርሑ' ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ጀርመን መዓልቲ ካቶሊካውያን፡ 'ብጸሎትን ዘተን ንሰላም ስርሑ'  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ጀርመን መዓልቲ ካቶሊካውያን፡ 'ብጸሎትን ዘተን ንሰላም ስርሑ'

ዕለት 29 ግንቦት መበል 103 ናይ ጀርመን መዓልቲ ካቶሊካውያን ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብእምነትን ብዘተን ስጕምቲ ብምውሳድን ሰላምን ፍትሕን ከደንፍዑ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ጸንፈይናዊ ርእየተ - ዓለም ክጻረርዎ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ከተማ ኤርፉርት ዝተኸፍተ መበል 103 ናይ ጀርመን ሃገራዊ መዓልቲ ካቶሊካውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ተጋባእያን ናይቲ ኩሉ ዝገብርዎ ኣገልግሎት መሰረት እምነትን ኣብ ሕብረት ምስ ቤተ ክርስቲያንን ዝጸነዐ ክኸውን ከም ዝተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ሰላም ሰብ መጻኢ ኣለዎ

እዚ መደብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ፈደራላዊት ጀርመን ዝካየድ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዓውደ ርክብ ኮይኑ፡ ካብ 1848 ዓ.ም. ዝተበገሰ ኣብታ ሃገር ካብ ዝካየዱ ካብቶም ዓበይትን ኣገደስትን ማሕበራዊ ፍጻመታት ምዃኑ ዝንገረሉ ኮይኑ፡ ንዓለማውያን ምእመናን ካቶሊካውያን፡ ግን ከኣ ናይ ጀርመንን ካብ ወጻኢ ዝመጹ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን መራሕቲ እውን ዝሳተፍሉን ኣብ ሕብረተሰብ ጀርመን ጽልዋ ዘለዎም ኣርእስታት ኣማእኪሉ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ከም ዝኾነን ናይ ለመዘበን ሕታም መርሕ ቃል ድማ ናይ፡ “ናይ ሰላም ሰብ መጻኢ ኣለዎ” ዝብል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቶም ካብ መዝሙር 37 ዝተወስደ ቃላት መሰረት ገይሮም፡ በቶም ፍትሓውያንን ንጐይታ ዘሐጉሱን ብእኡ ዝውከሉን ሰላም ከም ዝተባባዕ” ገሊጾም፡ ይኹን እምበር፡ ደቂ ሰባት ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ታሪኻዊ ዘይምትእምማን ተግባራቶም፡ ዘይምስምማዕን መከራን ኣስዒቡ እዩ።

"ሰብ ንፍጥረት ከምቲ ፈጣሪ ዝሓሰቦ ገይሩ ኣይጥቀመሉን፣ የግዳስ ንሓይልን ንቐጥዒ ኣልቦ ጥቕምን ኢሉ ብስስዐ ተደሪኹ ንፍጥረት ይሃስዮን የጋፍዖን። ስለዚ እዩ ድማ ስቓይን ሞትን ናብ ዓለም ዝመጸ"

ቢሎም፥ ፍራንቸስኮ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣብ ዓለም ገለ ጌጋ ከምዘሎ ስለዝስምዖም ኣንፈት ለውጢ ከምዘድሊ ከምዝስቆሮም ኣመልኪቶም፡ እዚ ኸኣ ብልክዕ ተልእኾ ኢየሱስ እዩ ነይሩ: ንሰብ ናብ ኣምላኽ ዳግማይ ምቕናዕ: ምስዚ ድማ “ምስ ኣሕዋቱ ዘለዎ ርክብ: ምስ ፍጥረት: ኣብ መወዳእታ ግን ምስ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ርክብ” ምሕዳስን ምፍዋስን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብዘይ ፍትሒ ሰላም ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ

ኢየሱስ፡ ከምቲ ኣብቲ ብዛዕባ ብጽዕና ዝመሃረሉ ብናይ እምባ ስብከት ዝፍለጥ ትምህርቱ፥ ተስፋ ብምሃብን ምጕዳል ፍትሒ ብምዅናንን መብዛሕትኡ ግዜ ንሰብኣዊ ክብርታት ተባሂሎም ዝግመት ኩሉ ብምፍራስ ሰላም ኣምጺኡ እዩ። እቲ ብፍቕርን ተወፋይነትን እተወልደ ብመስቀል ንትንሳኤኡ ዜርኢ ሰላም፣ እዚ ኸኣ "ናይ ሰላም ሰብ መጻኢ ኸም ዘለዎ" ዘመላኽት እዩ።

"ክርስቶስ ዘምጽኦ ሰላም፡ ንሰባት ሓድሽ ተስፋ ክህብ ይረኣ፡ እቲ ተስፋ ኣብ ጽንኩር ህሞትን: ንእተገሉን፡ ንሕሙማት፡ ነቶም ብከበድ ሓጢኣት ዝሳቐዩን ብጭቡጥ ርኡይ ይኸውን።

እምበኣር ክርስትያን ተልእኾ ኢየሱስ ክቕጽሉ ይጽውዑ፣ ነቶም ዝተገለሉ ብምሕጋዝን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ብምውፋርን ኩነታት መነባብሮኦም ንምምሕያሽ፣ ነቶም ዘይተሰምዑ ድማ ድምጺ ብምዃን፣ ምኽንያቱ፣ “ብዘይ ፍትሒ ሰላም ክህሉ ስለ ዘይክእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ቅልውላው ሓባራዊ ፍታሕን ዘተን የድልዮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ኤውሮጳን ኪኖኡን ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ-ሴማውነትን ዓሌትነትን ካልእ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ዓመጽን ርእየተ - ዓለም ነቒፎም። ሎሚ ዓለምና ኣጋጢምዋ ዘሎ ግብረ ገባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ቅልውላ ብኸመይ ኣጸቢቑ ከም ዝተኣሳሰርን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሕብረተሰብ ሰፊሕ ዘተ ብምግባር ሓባራዊ ፍታሕ ዘድልዮ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ዘተ ድማ እቲ “ካቶሊካዊ መዓልቲ ጀርመን” መሰረት ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም፥

“ስክፍታ ዛዕባ ተፈጥሮ፡ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ፍትሒ፡ ተወፋይነት ንሕብረተሰብ፡ ምክልኻል ህይወትን ስድራቤትን፡ ምክልኻል ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ከምኡ’ውን ግዳማውን ውሽጣውን ሰላም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ይኸዱ።”

ምምዕባል ኩለንተናውን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ዘተ

እቲ መልእኽቲ ብፍላይ ንህንጸት ሰላማዊ መጻኢ ኣገዳሲ ዝኾነ ኤቍመናውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዘተ ንምዕባይ ዝዓለመ ቦታ ምዃኑ ዝንእድ ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ናይቲ ፍጻመ መርሕ ቃል ነዚ መንገዲ እዚ ንኽኽተሉ ምትብባዕ ከም ዝህብ ኣስተብሂሎም፡ ተሳተፍቲ ምእንቲ ስላምን ንሓድሕዶምን ክጽልዩ ብምዕዳም፡ እቲ መደብ “ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ዘበርኽ ክኸውን” ተመንዮም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 May 2024, 15:35