ድለ

2024.02.10 :lourdes 2024.02.10 :lourdes 

ር. ሊ. ጳ. ናብቶ ኣብ ሉርድ እተኣከቡ ወደሃደራት - 'ልኡኻት ሰላም ኩኑ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ናብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ሉርደስ ፈረንሳ መበል 64 ግዜ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ንግደት ዝሳተፉ ዘለዉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ኣብ መንጎ ብጾቶም መሰኻኽር ወንጌል ንክኾኑ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ናብ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መቕደስ ቅድስተ ማርያም ሉርድ ንመበል 64 ኣህጉራዊ ንግደት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኣብ ዘመሓላለፉሎም መልእኽቲ፦

"ፍቕሪ ኻብ ጽልእን ምክፍፋልን ከም እትብርትዕ ንስኻትኩም እውን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓባራዊ ረብሓን ኣገልግሎት ሰላምን ክትከላኸሉ ኸም እተጸዋዕኩም ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ርግጽነት ኣደልድልዎ።" ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ካብ 1958 ጀሚሩ ዝቕል ዘሎ ትውፊት

ካብ 40 ዝዀና ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 15,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ኣብቲ ካብ 24-26 ግንቦት በቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝዀነ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ዚምራሕ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መደብ ንግድርት ተሳቲፎም።

እዚ ንግደት እዚ ብ1944 ኣብ ማእከል እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ዜስካሕክሕ ኩነታት እዩ ተጀሚሩ ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣባላት ሰራዊት ፈረንሳ ነቲ ቅድስቲ በርናዴታ ሰላም ንምርካብ ትጽልየሉ ንዝነበረት ቦታ ክበጽሑ ብዝገብርዎ ንግደት ኢዩ ውን ተጀሚሩ ።

መንፈሳዊ ጉዕዞ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዋና ጸፊ ቅድስቲ መንበር ብብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዝተኸተመ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነቶም ተሳተፍቲ ኣስኣሰር ቅድስቲ በርናደት "ቅድም ቀዳድም ናብ ኣምላኽ ገዝጾም ክጕዓዙ፣ ናባኡ ጥራይ ዘይኰነ ከአ ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ዝያዳ ደገፍን ሕውነትን ዘለዋ ዓለም ንምህናጽ" መንፈሳዊ ጕዕዞ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

እዚ ተጸምዶ እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም "ንሓባራዊ ጥቕምን ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋንን መተካእታ ዘይብሉ ግደ ኽህልዎም" ተባሂሎም ንዝተጸውዑ ወተሃደራት ዝያዳ ዘገድስ ምዃኑ ኣመልከቱሎም።

ንዓለም ኣብዚ ጸልማት ዝወረሶ ታሪኽ ተድልይዋ ኢኹም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እቶም ወተሃደራዊ መለለዪ ክዳውንቲ ዝተኸድኑ እውን ከይተረፉ መንፈሳዊ ንግደት ብምግባር "ብሓባር ምምልላስ ንሓድሕድካ ምድጋፍ ከምኡ ውን ምስ ካልኦት ምቅርራብ ዘለዎ ጽባቐ ንኸነስተውዕል" ዜኽእለና ናይ እምነት ተመክሮ እዩ። ምስቶም ዝሓመሙን ዝቘሰሉን ብጾትኩም ኣብ ሰራዊትኩም ዘለዉ ክትቀራረቡን ክትከናኸንዎምን ከምኡ ውን "ምሕረት ኣምላኽ ናብ ወተሃደራዊ ዓለም ከተምጽኡ ዘኽእለኩም ኢዩ" ክብሉ ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ "ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ታሪኽ ዓለም ጸልማት ዝሰፈነሉ ህሞት ንዓለም ተድልይዋ ኢኹም። ብኣጽዋሮም ንሰላምን ንሓድነትን ኬገልግሉ ዚኽእሉ እምነት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን የድልዩና እዮም ፣" ክብሉ ውን መልእኽቶም ዛዘሙ ።

27 May 2024, 16:16